ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም፣ምቅርራባት ይዛዘም ኣሎ ይብል ቢሮ ምርጫ'ቲ ክልል


ኣቶ ወለዮርጊስ በላይ
ኣቶ ወለዮርጊስ በላይ

ምቅርራባት 2007 ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ይዛዘም ከምዘሎ ንቪኦኤ መግለፂ ዝሃበ ቢሮ ቦርድ ምርጫ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ምርጫ 6 ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ ትግራይ ንሳተፉ ይወዳደሩ ኣለው።ንኣብያተ ምኽሪ ክልልን ሃገርን። ኩሎም ፓርቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ውድድሮም ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ሓላፊ ቢሮ ቦርድ ምርጫ ክልል ትግራይ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ በላይ ክዛረቡ ከለው ‘ኩሎም ኣገደስቲ ናውቲ ምርጫ ኣብ ነቑጣታት ምርጫ በፂሖም ኣለው’ ኢሎም።ንሶም ወሲኾም ‘ወከልቶም ንምምራፅ ኣብ ትግራይ በዝሒ ዝተመዝገቡ መረፅቲ 2, 882, 000 ምምዝጋቦም ሓቢሮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:18 0:00

XS
SM
MD
LG