ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ገለ ኤርትራውያን ዝገበርዎ ሰልፍን ምላሽ ኤምባሲ ኤርትራን ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ህልቀት መንእሰያት


African asylum seekers, who entered Israel illegally via Egypt, take part in a protest in the Mediterranean coastal city of Tel Aviv, Feb. 03, 2014.
African asylum seekers, who entered Israel illegally via Egypt, take part in a protest in the Mediterranean coastal city of Tel Aviv, Feb. 03, 2014.

ጠንቂ ሞት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪን ሳሃራን እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ'ዩ ክብሉ ትማሊ ኣብ እስራኤል ኣብ ፊት ንፊት ኤምባሲ ኤርትራ ንዝተኻየደ ተቃውሞ ሰልፊ ካብ ዘዳለዉ ክልተ ዳዊት ደሞዝን ገብረሂወት መለስን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብ እስራኤል ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋማርያም ተኸስተ ብወገኖም ነዚ ክሲ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ነዚ ህልቀትን ስደትን መንእሰያት ተሓተትቲ ዝተወደቡን ኣብዚ ዝተዋፈሩን ዘይሕጋውያን ኣስገርቲን ከምኡ'ዉን እቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ንዓ በዚ ውፃእ ገንዘብ ክሰደልካ'የ እናበለ ንስደት ዘተባብዕ ወገን'ዩ ኢሎም። መንግስቲ ኤርትራ ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን ኸፊቱ'ሎ ኣብየ ከባቢኡ'ዉን ኣገልግሎት ጥዕናን ፅሩይ ዝስተ ማይን ቀሪቡ'ሎ፣ መንእሰያት ነዚ ዕድል ክጥቀምሉ'ዮም ዘለዎም ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝጣኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:17:10 0:00

XS
SM
MD
LG