ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምፍፃም ምስ ናይ ስዑዲ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዚ ስዑድ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሪያድ ተራኺቦም


Eritrean President-Saudi King
Eritrean President-Saudi King

ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምፍፃም ምስ ናይ ስዑዲ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዚ ስዑድ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሪያድ ተራኺቦም።

መንግስታዊ ኣገልግሎ ዜና ስዑዲ (SPA) እቶም መራሕቲ ንክልትኣዊ ርክባትን ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ምዕባለታትን ገምጊሞም ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር ኣይገለፀን።

ኤርትራን ስዑዲን ኣብ ጉዳይ የመን ኣፈላላያት ኣለወን።ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ልዕሊ ሑቲ ደብዳብ ነፈርቲ ቀፂሉ’ሎ፤ኤርትራ ግን ንኵናት የመን ውሽጣዊ ፍታሕ ትመርፅ።

ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ንዘለዋ ኤርትራ መሪሕ ታራ ክትፃወት ዕድል ሂቡዋ’ሎ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ሓይልታት ባሕሪ ኢራን ኣብ ወደብ ዓሰብ ተራኢዮም ንዝብሉ ፀብፃባት ብዙሓት ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተልኦ ገይሩወን ኣሎ።ኤርትራ ግን ንቶም ፀብፃባት ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ክትብል ብትሪ ነፂጋቶ’ላ።

ኣብ ናይ ሪያድ ዑደቶም ፕሬዝዳን ኢሳያስ ምስ ናይ ስዑዲ ምንስቴር ምክልኻልን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ተራኺቦም ኣለው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

XS
SM
MD
LG