ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ስደተኛታት ኹናት ከፊታ’ላ' ይብሉ መራሕቲ ኤውሮጳ


መስርሕ ምድሓን ስደተኛታት

መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ፣ንባሕሪ ሜድትራንያን ኣቛሪፀን ናብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ስደተኛታት ንዘስግራ መራኽብ ዘይሕጋዊያን ንምውቃዕ፣ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ይውጥኑ’ለው።

ድሕሪ ዝሓለፈ ቅነ ልዕሊ 800 ሰባት ኣብ ሜድትራንያን ድሕሪ ምህላቆም’ዮም መራሕቲ 28 ሃገራት ኣብ ብሩስለስ ዝተኣከቡ። ካብ’ቲ ሓደጋ 28 ስደተኛታት ጥራሕ’ዮም ድሒኖም።

ረቂቅ’ቲ ውሳነ፣ስራሕቲ ካብ ሓደጋ ባሕሪ ስባት ኣናዲኻ ምድሓንን ክጠናኸር፣ከምኡውን ስልታዊ ዳህሳስን ምድምሳስን ስደተኛታት ዘመላልሳ መራኽብን ዝሓቆፈ’ዩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳያት ስደተኛታት ሕብረት ኣውሮጳ ድሚትሪ ኣቭራሞፖሎስ፣ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ስደተኛታት ኹናት ከፊታ’ላ ኢሎም።

ናይዚ ሙሉእ ፀብጻብን ምስ መሮን እስቲፋኖስ ኤርትራዊ ሸወደናዊት ተሓላቂት ሰብኣዊ መሰላት ዝተገብረ ሓፂር ቃለ-መጠይቅ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ጠዉቁ።

XS
SM
MD
LG