ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን ኣብ ከቢድ ኹናት


ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ መንጎ ዓመፅቲ ሽዓት ሑቲን እሙናት ፕሬዝዳንታ እታ ሃገርን ከብዲ ውግእ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ።

ሑቲ ኣብ ወደባቲ ከተማ ዓደን ትሕዝቶታቶም የጠናኽሩ ኣለው። ነፈርቲ ውግእ'ቲ ስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኸአ ዝተፈላለየ ዒላማታት ከዝወቅዓ ቴለቪዝን ኦኡዲ ኣል ዓረብያ ክገልፅ ከሎ ቴለቪዝን ሑቲ ኣል ማስራ ኸኣ ነፈርቲ ስዑዲ ሓያለ ግፍዕታት ፈፂመን ኢሉ'ሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ስዓታት ኣብ ዓደን ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐተሉ ምንጭታት ሕክምና ኣፍሊጦም ኣለው።

መሰኻኽር ዓይኒ እውን ሓንቲ ናይ ወፃኢ መርከብ ውግእ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ከባቢን ወደባዊት ከተማ የመን ዓደን ዒላማታት ብተወንጨፍቲ ከምዝወቕዐት ተዛሪቦም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:13 0:00

XS
SM
MD
LG