ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤል ካብ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ኣቶ ሰለሞን መዝገቦ ካብ ቦስተን ኣመሪካ፡ ብዛዕባ`ዚ ኣብ ናይጀርያ ዝተኻየደ ተቓወምቲ ዝተዓወትሉ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ትንተነናዊ ትዕዝብቶም ይህቡ።
" ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘምጽእዎ ስልጣን፡ ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ንህዝቢ ብምርካብ፡ ከም ዜጋታት ብሰላም ኣብ ሃገሮም ክነብሩ ኸምዝኽእሉ`ውን ክግንዘቡ፡ ምርጫ ናይጀርያ ጭቡጥ መረዳእታ`ዩ "
ንምዃኑ ንመራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሲኽካ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ደሞክራሲ ምንባር ዘሰክፎም እንታይ`ዩ? ናይጀርያ`ኸ ብኸመይ ናብ`ዚ ደረጃ ክትበጽሕ ክኢላ?
ብዛዕባ`ዚን ካልእን ዝምልከት መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡