ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ካብ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሃገሩ ዝሃንጽ ዘሎ መንእሰይ ብቑጽሪ ኾነ ብኻልእ ዝውክል ኣይኮነን` ኣምባሳደር ገራህቱ


Amb.Tes.Gherahtu
Amb.Tes.Gherahtu

ኣብ ስትድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝቐረቡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ማይክ ስሚዝ፡ ናብ`ታ ሃገር ንምእታው ገና ፍቓድ ከምዘይረኸቡ ምምራሮም ይዝከር

ኩነታት ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ክምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ኣካል ኣብ`ታ ሃገር ብንጹር ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ኣብ ዘካይዶ ዘለኹ መርመራይ ርእየ ምባሉ ይፍለጥ። ብዛዕባ`ዚ ዝተሓተቱ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እቲ ጸብጻብ ርትዓውነት ዝጎደሎን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዘየንጸባርቕን ከምዘኾነ ሞጊቶም።

ንዋሕዚ መንእሰያት ስደተኛታት ብዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለዉ “ እዚ ንደገ ወጺኡ ዘሎ ቑጽሪ ወላ ዝሕመናን ዝትንክፈናን`ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ኣማኢት ኣሸሓት ኣብ ኤርትራ ኾፍ ኢሉ ወላ እናኸበዶ ኸሎ ኹነታት ናይ ናብራ፡ ነዛ ሃገር`ዚኣ ንምህናጽን ንምክልኻልን ንዝጽዕር ዘሎ መንእሰይ ዝውክል ኣይኮነን-ወላ ብቑፅሪ ወላ ብኻልእ መንገዲ-እዚ ንጹር ክኸውን ኣለዎ “ ኢሎም።

እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝወጽእ`ውን እንተኾነ ምስ ወጸ እቲ ዝበዝሐ ምስ ሃገሩ መንግስቱን ህዝቡን ጠጠው ዝበለ`ዩ ኢሎም ኣምባሳደር ገራህቱ።

ምሉእ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:10 0:00

XS
SM
MD
LG