ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ኣብ ዝህቦ ልምዓታዊ ሓገዝ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ


European Union
European Union

እቲ ልምዓታዊ ረድኤት፡ ኣብ`ቲ ናይ መበል 11 ፕሮግራም ልምዓት ከምዘይተጠቕሰ ፡ኮይኑ ግና ፡ምይይጥ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ድምጺ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ እናገደደ ንዝመጸ ዝበሎ ፍልሰት ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ጠጠው ኣብ ምባል ንምሕጋዝ 122 ሚሊዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ንምሃብ መደብ ከምዘለዎ ንሮይተርስ ብምጥቃስ ምሕባርና ይዝከር። ወሃቢት ቃል- ሕብረት ኤውሮጳ ሻሮን ዛርብ፡ ሎሚ ናብ ቪኦኤ ኣብ ዝለኣኸቶ መብርሂ፡ እቲ ኮሚሽነር ኤውሮጳ ነቨን ሚሚካ ዝተዛረብዎ ነቲ ኣብ መበል 10 ፕሮግራም ልምዓት ዝቐረበ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ 122 ሚሊዮን ካብ 2008 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ እዋን ናብ 53.7 ሚሊዮን ዶላር ከምዝነከየ ሓቢራ`ላ።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝተተግበሩ ፕሮጀክትታት 41.5 ሚሊዮን ዩሮ ዝተመደበሎም ንሕርሻን ውሕስነት መግብን ዝምልከቱ ምዃኖም ዝጠቐሰት ወሃቢት ቃል`ቲ ሕብረት፡ ኣካል ናይቲ ሓገዝ፡ ሕጽረት ኤነርጂ ኣብ ምቅላል ዝግበር ንጥፈታት፡ ከምኡ`ውን ናብ መስኖኣዊ ሕርሻ ዝጠመተ ምሕያል ውሕስነት መግቢ ምዃኑ ጠቒሳ።

ንመጻኢ ኣብ ዝምልከት ድማ፡ መበል 11 ፕሮግራም ልምዓት ኤውሮጳ ዝሓዞም መደባት ብዝምልከት ዝርርብ ተጀሚሩ`ሎ ኢላ።

እታ ወሃቢት ቃል ኣተሓሒዛ፡ ኣብ`ቲ ናብ ቪኦኤ ዝለኣኸቶ ሓበረታ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ንምምጻእ ከም ምፍጣር ዕዳላት ስራሕ ዝበሉ ኤኮኖሚያዊ ድጋፋት ንምግባር ኣብ ምምዕዳው ከምዝርከብ ኣፍሊጣ። እቲ ሰነድ ፕሮግራም፡ ገና ከምዘይተዛዘመ`ውን ወሃቢት ቃል ሕብረት ኤውሮጳ ሻሮን ዛርብ ኣዘኻኺራ`ላ።

XS
SM
MD
LG