ብሕቡራት መንግስታት ዝቆመን ንኤርትራ ዝመርመረን ሓደ ኣካል ኣብ ኤርትራ ንፁር ተመሳሳሊ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ምህላውን ፈፂሙ ልኣላዊነት ሕጊ ዘምህላዉ ኣብ ምርመራይ ርእየ ክብል አፍሊጡ።
ኣቦ መንበር'ቲ ኮሚሽን መርማሪ ሕቡራት መንግስታት ማይክ ስሚዝ ሎሚ ኣብ ጄኔቫ ንቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብመሰረት ሕግታት መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ አገልግሎት አድማሳዊን ገደብ ዘይብሉን'ዩ፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኸአ ብዛዕባ መፃኢኦም ተስፋ የብሎምን ኢሎም።
ዝርዝሩ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።