ትማሊ ሰኑይ 3 መጋቢት 2015 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካፒቶል-ሂል መአከቢ ባይቶ ዩናይትድ ሴትይትስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ቀሪቦም ንኽልቲኡ ባይቶታት ኣሜሪካ ብሓባር መደረ ምስምዖም መዘራረቢ ኾይኑ'ሎ።
እዚ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ'ዩ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ካብ ኣትላንታ፣ አቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ሙሁራዊ ትንተና ሂቦምሉ'ለዉ።
ንምስምዑ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።