ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ምስ ሰገሩ ከምዝተቐተሉ ዝግለጽ 3ተ ኣባላት ስድራ ምስጢሮም እንታይ`ዩ ?


ኣስከሬን ክልተ ደቀይን ሓፍተይን ኣዳልዩኒ ይብል ኣቶ ክብሮም

ንባዕሉ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋር፡ ሎሚ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ፡ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓፍቱን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ሰገሩ ከምዝተቐተሉ ይኣምን።

ኣብ`ቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝነበረ ጎይትኦም ብርሃነ ዝተባህለ ሚሊሻ ትግራይ ዘረባ ለዊጡ ይብል ኣቶ ክብሮም።

ካልእ ንስድራ ቤት ኣቶ ክብሮም ዘርድአ ኣቶ ጌታሁን(ምስሪ) ዝተባህለ ነጋዳይ`የ ዝበለ ድማ፡ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጥ ኣቶ ጎይትኦም ብርሃነ`ዩ፡ ኣነ ንክሕግዝ ጥራይ ዝኣተኹ ሰብ`የ ይብል።

ኣቦ ወዲ 8ተ ዓመትን ጓል 15 ዓመትን ከምኡ ድማ ሓዊ ጓል 25 ዓመት ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ፡ ኩነታት`ቶም ቆልዑ ንምጽራይ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ ኔሩ`ዩ። ክድውንቶምን ዝኣረገ ኣስከሬን ርእስን ኣርእዮምኒ ይብል።

ናብ`ቲ ኣስከሬን ዝተባህለ መሪሑ ዝኸደ ፖሊስ ንጉሰ ገብረስላሰ ግን፡ እቲ ሬሳ ሓዲሽ እናጨነወ ኸሎ ኣርኪበሉ`የ ይብል። ብጽምኢ ማይ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ `ውን ይገልጽ።

ኣቶ ክብሮም ግን ዝሓብኡኒ ምስጢር ኣሎ ይብል፡ ኩሎም ወገናት ማለት ብኢትዮጵያ ኾነ ብኤርትራ ሬሳ ደቁን ሓፍቱን ኣብ ምርካብ ክተሓጋገዝዎ`ውን ይምሕጸን፡-

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:38 0:00

XS
SM
MD
LG