ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕራባውያን ሃገራት ኣንጻር ምስልምና ኣብ ውግእ ኣለዋ ምባል ` ግናይ ሓሶት ` ኢሎም ፕረሲደንት ኦባማ


President Barack Obama speaks at the Countering Violent Extremism (CVE) Summit, Feb. 19, 2015, at the State Department in Washington.
President Barack Obama speaks at the Countering Violent Extremism (CVE) Summit, Feb. 19, 2015, at the State Department in Washington.

ልዕሊ 60 ሃገራት ይሳተፋ`ለዋ ኣብ`ቲ ዋይት ሃውስ ዝጸውዖ ዋዕላ

: ጭቆና፡ ብልሽውናን ዘይፍትሓውነትን ንብቀላ መበገሲ`ዮም ኢሎም ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን። ናይ ዩ.ኤስ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ብወገኖም፡ ምስ እስላም ኣይኮናን ኣብ ውግእ ዘለና ኢሎም-ዋይት ሃውስ ኣብ ዝጸውዖ ዋዕላ።

ልዕሊ 60 ሃገራት ይሳተፋ`ለዋ ኣብ`ቲ ዋይት ሃውስ ዝጸውዖ ዋዕላ። ፕረሲደንት ኦባማ ኣብ`ቲ እዋን መራሕቲ ሃይማኖትን መራሕቲ ኮሚኒቲን ነቲ “ናይ ሓሶት መብጽዓ ጽንፋውያን” ዝበሎ ተግባር ኣብ ምቅላሱ ክሕግዙ ጸዊዖም። “ኣሸበርቲ ጉጅለታት ን እስልምና” ይውክሉ ንዝብል ኣተሓሳስባ ክነጽጉ`ውን ጸዊዖም። ምዕራባውያን ሃገራት ኣንጻር ምስልምና ኣብ ውግእ ኣለዋ ምባል ዝገነየ ሓሶት ኢሎም ፕረሲደንት ኦባማ፡-

“ንሕና ምስ እስላም ኣይኮናን ኣብ ኩናት ዘለና። ንሕና ምስቶም ንእስልምና ዝጠውዩዎ ዘለዉ ኢና ኣብ ኩናት ዘለና። ንነብሶም ከም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወይ ከም ቅዱሳት ተዋጋእቲ ጌሮም ክቐርጹ ይፍትኑ`ዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይኮኑን። ኣሸበርቲ`ዮም”

ፕረሲደንት. ኦባማ ኣተሓሒዞም ንፍሉጣት ኣስላም ብቐጥታ ተማሕጺኖም- ንነብሶም ካብ`ቲ ናይ ጭካነ ስነ-ሓሳብ ከግልሉ። ፕረ. ኦማባ ኣንጻር ጥሩፍነት ዝካየድ ቃልሲ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ክስዓር ከምዘይክእል ነቶም ጉባኤተኛታት ነጊሮም።

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪ ሙን ብወገኖም፡ ምክልኻል ጎንጻዊ ጽንፋውነትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኢድ ንኢድ`ዩ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ኢሎም። ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝካየድ ቃልሲ ግን ኢሎም ባን ኪ-ሙን፡ ንገለ መራሕቲ ንዝነቕፉ ኣፎም ኣብ ምዕጻው ክወዕል የብሉን።

“ናይ ሞራል ኣንፈትና ብምስሓት፡ መዋጽኦ መንገዲ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና ”

እቲ ዋዕላ ዝካየድ ዘሎ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ምስ`ቶም ብናህሪ ኣብ ናይ ዘስካሕክሕ ቕትለት ጉዕዞ ተሸሚሞም ዘለዉ እስላማዊ ግዝኣት ማለት ዳዕሽ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ገጢማትሉ ኣብ ዘላ እዋን`ዩ።

ፕረሲደንት ኦባማ ኣብ`ቲ ዘረብኦም፡ ኣብ`ዚ ዘለናዮ እዋን ፡ ዓለም`ውን ንመንእሰያትና ዝሓሸ ዕድላት ህይወት ክትቕርበሎም ኣለዋ ኢሎም። “ሰባት ብሰንኪ ጉድለት ፍትሕን ብልሽውናን ህይወቶም ዝመሓይሽሉ ዕድላት ክስእኑ ኸለዉ፡ ከም ኣል-ቃዒዳን እስላማዊ ግዝኣትን ዝበሉ ኣሸበርቲ ንዕኡ ክምዝምዝዎ ይኽእሉ`ዮም” ኢሎም ኦባማ።

ኣብ`ቲ ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመርኪ ዝካየድ ዘሎ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዘለዋ ዋዕላ ፡ ካብ ዙርያ ዓለም ዝመጹ ሰበስልጣን፡ መንፈሳውያን መራሕቲን፡ ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ይሳተፉ`ለዉ ።

XS
SM
MD
LG