ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ኣቶ ተወልደ ብእምነትን ኢትዮጵያዊ ኣቶ ተስፋሁን ካሕሳይን ኣብ ጉዳይ ዶብን ሰላምን ይካትዑ


Ethio-Eritrea
Ethio-Eritrea

ሰላም ከመይ ይመጽእ ቀንዲ መዘራረቢ ኣርእስቲ

ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዛረቡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣርኣያ ደስታ፡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ`ቲ ንኤርትራ ዝተበየነ መሬት ክተውጽእ ጸቕጢ ክግበረላ ሓቲቶም።

ወኪል ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ሃገሮም ምስ ኤርትራ ንዘለዋ ምስሕሓብ ብሰላም ንምፍታሕ ቅርብቲ ከምዘላ መሊሶም።

ድሕሪኡ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንፓርላማኦም ክዛረቡ ከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ክቕጽል ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ግርማ ኣስመሮም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ነቲ ጉዳይ ትዝውሮ ኣመሪኳምበር ኢትዮጵያ ኣይኮነትን፡ ማዕቀብ ግን ምልዓሉ ኣይተርፎን`ዩ ኢሎም።

ኣብ ዚ ጉዳይ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን ተኻቲዖም ኣለዉ፡ ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:12 0:00

XS
SM
MD
LG