ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

60 % ኣፍሪቃውያን ፍጹም ናይ ኤለክትሪክ ዕድል ዘይብሎም`ዮም ተባሂሉ


ኣፍሪቃ ግዙፍ ብድሆታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣጋጢምዋ`ሎ፡ 600 ሚሊዮን ኣፍሪቃውያን ፍጹም ናይ ኤለክትሪክ ዕድል የብሎምን

ኣብ ዙርያ ክፋላት መብዛሕቲኡ ኣፍሪቃ፡ ዝርኤ ዘሎ ዳርጋ መዓልታዊ ምጽልማት ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ንድኻን ሃብታምን ብሓባር ተንኪፍዎ`ሎ። ንምዃኑ ብድሆታት ምምንጫው ሓይልን ፡ ምውላዕ መብራህቲን እንታይ`ዩ ኣብ ዝብል ጌብ ጃስለው ዝሰርሖ ይቕጽል።

ኣብ ናይሮቢ በርድ ናይ ዘፍሪ ትካል ሓላፊት በቲ ምቢተ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንግዳ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ትገልጽ።

'ዝሓለፈ ሓደ እዋን፡ ን3ተ መዓልታት ብዘይ ኤለክትሪክ ስለዝነበርና፡ ዝኾነ ይኹን ክንሰርሕ ኣይከኣልናን። ማሺናትና፡ መዝሓሊ ክፍልና፡ ኮታስ ኩሉ ስራሕ ብዘይ ኤለክትሪክ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን`ዩ"

ኣብ ትካል ሓይሊ ኤለክትሪክ ኬንያ ተኣማሚንካ ንግዲ ምክያድ ከቢድ ክሳራ ዘለዎ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ትብል ኣተሓሒዛ።

ኣብ ኬንያ ኾነ ኣብ ካልእ ኸባብታት ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገም፡ ተደራራቢ`ዩ፡ ፍጹም ዕድል ኤለክትሪክ ዘይምርካብ፡ ምኽባር ዋጋን፡ ቀጻልነት ኤለክትሪክ ዘይምህላውን`ዩ።

ኣፍሪቃ ግዙፍ ብድሆታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣጋጢምዋ`ሎ። 600 ሚሊዮን ኣፍሪቃውያን ፍጹም ናይ ኤለክትሪክ ዕድል ዘይብሎም`ዮም። 60 % ናይ`ቲ ሀዝቢ ማለት`ዩ።

ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ዞባታት ዓለምና ዝተሓተ ሓይሊ ትረክብ፡ ግን ዳርጋ ከምዚ ኣብ በዓል ኣመሪካ ዝኽፈል ዋጋ ትኸፍል፡ ኣብ ምብራቕ እስያ ካብ ዝኽፈል ዕጽፊ ትኸፍል።

ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ኤኮኖሚያዊ መድረኽ፡ ዝተዛረቡ ፕረሲደንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ዶናልድ ካበሩካ፡ ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንድሕሪት ይጎትተን ኣሎ ኢሎም ኔሮም። ድኹም ትሕተ-ቕርጺ ኣፍሪቃ ፡ንምዝርጋሕ ሓይሊ ዝዓበየ ብድሆ ምዃኑ`ውን ጠቒሶም።

"ነብስወከፍ 54 ሃገራትና፡ ካብ ዘበታዊ ዓቕመን ጥራሕ ውሕስነት ሓይሊ ኤለክትሪክ ክህልወን ኣይክኣልን`ዩ። ሓይሊ ክንረኽበሉ ንኽእል ዞባዊ ዕዳጋ ክንፈጥር ኣለና "

ቁጽሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ ኣፍሪቃ፡ ክሳብ 2050 ብዕጽፊ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባት ጸዓት፡ ጸቕጢ ምሕዳሩ ክቕጽል`ዩ። ጸዓት ዘይምምሕያሽ ድማ፡ ዝነበረ ዕድላት ምኽሳር ማለት`ዩ።

XS
SM
MD
LG