ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ኤኮኖሚና ይዓቢ`ሎ ይብሉና፡ ኣብ ባይታ ንርእዮ ዘለና ግና ንዕኡ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን ኢሎም ኣብ ፓርላማ እንኮ ተቓዋሚ ኣባል


ጠቅላይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሣለኝ እና እንደራሴ ግርማ ሠይፉ
ጠቅላይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሣለኝ እና እንደራሴ ግርማ ሠይፉ

ንዓና ዘሻቕለና ዘሎ ምስ ኤርትራ ዘለና ጸገም ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይምርግጋእ`ዩ ኢሎም ኣቶ ግርማ ሰይፉ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሃገራዊ ኤኮኖሚና ብ10.4% ይዓቢ ኣሎ ኢሎም ኔሮም። ኣቶ ግርማ ሰይፉ ብወገኖም እዚ ሓቂ ኣይኮነን፡ ኩሉ ዝተጠቕሰ ቑጽሪ ጌጋ `ዩ “እናጠመና ኸለና ጸጊብኩም ኣለኹም እንተበሉናስ እንታይ`ዶ ክንብል ኢና” ኢሎም።

ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ድማ ንዓና ዘሻቕለና ዘሎ ምስ ኤርትራ ዘለና ጸገም ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይምርግጋእ`ዩ ኢሎም ኣቶ ግርማ ሰይፉ ። እቲ ዕላማ “ንዓና ትኹረትና ናብኡ ጠውዮም ንሳቶም ድላዮም ክገብሩ ስለዝደለዩ`ዩ”

ምስ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ናይ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ትርጉም ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:19 0:00

XS
SM
MD
LG