ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ ቤተ ጥበብ (Art Gallery) ኣብ ትግራይ


Rahel Biluts
Rahel Biluts

ራሄል ቤተ ጥበብ

ኣንስትዮ ሰኣልቲ ቅልቅል ጥፍእ ኣብ ዝብላሉን ውሑዳት ተንከርከር ኢለን ኣብ ዝጓዓዛሉን ዘለዋ መሬት ትግራይ ሓንቲ ንእስቲ ሰኣሊት ምሉእ ህይወታ ንጥበብ ሂባ ሒዂ ትብል ኣላ።

ራሄል ብሉፅ ትበሃል።

ራሄል ሳኣሊት ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ምስ ስእሊ ዝተዛመዱ ዓውዲታት ጥበብ’ውን ወኒና’ላ። ራሄል በዓልቲ ሞያ ስነ ህንጻ እያ። ብተወሳኺ ክኢላ ስነ ፅባቐን ቅርፅን’ውን እያ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ዘይተፈተነ ቤተ ጥበብ (Art Gallery) ብድፍረትን ፅንዓትን ኣብ ከተማ መቐለ ኣጣይሻ’ላ።

ራሄል ቅድም ክብል እውን “ትንሳኤ ጥበብ ትግራይ” ዝብል ውራይ ተሓንጊጣ ናብተን ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ብምኻድ ዓውደ ምርኢት ጥበብ ናብ ህዝቢ ኣቕሪባ’ያ።

እዛ ንእስቲ ሳኣሊት እዚኣ ብፍሉይ ትልለየሎም ንስእሊ ትጥቀመሎም ናውቲ ኣለዉዋ። ካብ ሽምዓ፣ምስትያት፣ዝበለዩ ስፈታት፣ኽሻን ዓምሓምን ተጠቒማ ትስእል። ቀንዲ ጠመተኣ ድማ ፅባቐ ኣንስትዮ ዘጉልህ፣ኒሕን ፅንዓትን ደቀ-ሄዋን ዘንፀባርቕ፣ብባህላዊ ኢትዮጵያዊ ዓለባ ዝወቀባ በዓላልቲ ኣብ ዋኒነን ወፊረን የርእይ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ቀቤሌ 17 ጥቓ ቤት መደቀሲ ንግስተ ሳባ ተኸፊቱ ዘሎ “ራሄል ቤተ ጥበብ” ኣብ ውሽጡ ኣጋይሽ ውፅኢት ጥበብ ምስረኣዩ ኣብ እግሪ ፅላል ብርኮም ዓፂፎም መጽሓፍቲ ዘንብብሉ፣ ሻሂን ቡንን ዝብልሉ፣ናውቲ ገጸ በረከት ዝዕድግሉ ጎልጎል መረባ ይርከብ።

ኣብ ትግራይ ብዙሓት ሳኣልቲ ቅድሚ ዝኣገረ ተሲኦም ኣብ መንገዲ ኣብ ዘቋርፁሉ፣ ዓቐብ ናብራ ምሕዃር ከቢዱዎም ናብ ዘይሓሰብዎ ዋኒን ኣብ ዘግለስሉ፣ ንጥበብ ክብሪ ሂቡ ንጠቢባን ኣጆኹም ዝብል ኣብ ዝወሓደሉ ባይታን ከባብን ኮይንካ ምሉእ ህይወትካ ንስነ ጥበብ በጃ ምዃን ከቢድ እኳ እንተኾነ ሳኣሊት ራሄል ብሉፅ ለውጢ ከምዝመፅእ ትስፍውቲ እያ;

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:20 0:00

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG