ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ጽሕፈት ትግርኛ ብትግርኛ ዘፅንዕ ሩሲያዊ


Yaslov
Yaslov

ያሮስላቩ ወይ ድማ ያሬድ ይበሃል። ካብ 2003 ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቋንቋ ትግርኛ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ኣብ ስነ ፅሕፈት ትግርኛ ዘለዉ ኣጠቓቕማ ቃላት የፅንዕ’ሎ። ኣብዚ መዳይ መጽናዕቲ ንምክያድ ኣብ ጥንታውን ዘመናውን ኣጠቓቕማ ቃላት ትግርኛ ዘሎ ፍልልይ ኣነፂሩ የውፅእ’ሎ። ኣብ ገሊኦም ናይ ባዕሉ ርኢቶ እውን ይህብ።

ያሬድ ኣብቶም ዘጊድ ዝፍለጡ ኣስታት ኣርባዕተ ላዛታት ትግርኛ እውን ናብቲ ከባብታት ብምኻድ የፅንዕ’ሎ። ብመዳይ ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ መፅሓፍቲ ይሕተሙ ኣለዉ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ኣምሓርኛ ፅዕንቶ ስለዘለዎ ውሱን ለውጢ እዩ ዘርእይ ዘሎ ይብል።

ብዋናነት ኣብ ስነ ጽሕፈት ትግርኛ ኣድሂቡ ዘካይዶ ዘሎ መፅናዕቲ ምስ ፈፀመ ብሊቃውንቲ ቋንቋ ትግርኛ ከምዘገምግሞን ብድሕሪኡ ድማ ናብ ህዝቢ ከምዘቕርቦን ገሊፁ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:45 0:00

XS
SM
MD
LG