ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ለውጢ ደሊዩ ዘሎ ሕብረተስብ ትግራይ ንዓረና ዘይመርጸሉ ምኽንያት የለን ` -ኣቶ ዓንዶም


Arena
Arena

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ትግራይ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ እቲ ናይ ምርጫ ኩነታት ብጣዕሚ ዝተበላሸወ ይመስል፡ ኢሎም። ኣተሓሒዞም "ናይ ምርጫ ተዓዘብቲ ኾኑ ናይ ምርጫ ኣፈጸምቲ ኣባላት ኢህወደግ `ዮም ኮይኖም ዘለዉ" ኢሎም። ግን ዓረና ትግራይ ንምርጫ ተዳልዩ `ዩ ዘሎ ኢሎም።

ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘፍቅዶ፡ሰልፊ ኾነ ኣኼባ ናይ ምግባር መሰል ጨሪሱ ከምዝተነፍጎም ዝገልጹ ኣቶ ዓንዶም፡ ብናጻ ክንንቀሳቐስ እንተዝፍቀደልና ኔሩ፡ ብዙሕ ድጋፍ ህዝቢ ብምርካብ ዘይንዕወተሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።

ከምዚ` ኢልኩም ብናጻ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ምዝራብኩም`ውን ስለምንታይ ከም ኣወንታ ዘይትርእይዎ ? ንዝብል ሕቶ " እቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ባይታ ስለዘሎ ዘይኮነስ ፡ ዝመጸ ይምጻእ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ስለዘለና ኢና " ኢሎም። “ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰሎም ዝተጠቐሙ ኣባላትና እናተኣሰሩን እናተውንጀሉን እናፈለጥና ኢና”

" ኣብ`ቲ ናይ 17 ናይ ቃልሲ ዓመታት ፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ክወዳደር ከሎ፡ ፍርቂ ዘይኮነስ ሲሶ ዝኸውን መሰል `ውን ኣይረኸበን". ኣሸበርቲ እናተባህሉ ካብ መርዓ፡ ከምኡ`ውን ኣባት ነብሲ ካብ ምርካብ ከይተረፈ ከምዝግለሉ የማርሩ ኣቶ ዓንዶም ገብረሰልሰ።

ምሉእ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡ ኣብ ዝቕጽል ምላሽ ገዛኢ ፓርቲ ክንደሊ ኢና፡-

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:00 0:00

XS
SM
MD
LG