ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢኻቶርያል ጊኒ ግጥም ኣፍሪቃ ጋና ብሴኔጋል 2 ብ 1 ተሳዒራ


Senegal V Ghana, 2015
Senegal V Ghana, 2015

ኣህጉራዊ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ትማሊን ሎምን ብናህሪ ቀፂሉ’ሎ።

ኣብ መኽፈቲ ግጥም ዝተራኸባ ጋንታታ ኣተኣናጋዲት ሃገር ኢኻቶርያል ጊኒን ጋቦንን ማዕረ 1 ን 1 ተፈላልየን።እዚ ውፅኢት’ዚ ንኢኻቶርያል ጊኒ ዘዋፅእ እዩ።ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ዝተጋጠማ ኮንጎ ንቡርኪናፋሶን 2 ን 0 ኣፋንያታ።

ትማሊ ሰንበት ኬፕቨርዴን ኮንጎ ዴሞክራስያዊት ሪፐብሊክን 1 ን 1 ፡ ቱኒስያን ዛምቢያን’ውን 1 ን 1 ተፈላልየን።

ግጥም ጋናን ሴኔጋልን ቀጺሉ ቀዲማ ሸቶ ዘመዝገበት ጋና ብኣንድሪ ኣይው ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ነይሩ።ግን ፀብለልታኣ ዓቂባ ክትቕፅል ኣይካኣለትን።ኣካላዊ ብቅዓትን ፀብለልታን ጎሊሁ ናብ ሴኔጋል ዘዛዘወ ነይሩ።ተሰለፍቲ ሴኔጋል’ውን ኣብ ረብሐኦም ኣውዒሎምዎ’ዮም።ብዙሕ ተቃሊሶም ማዕረ ትገብሮም ሸቶ ኣመዝጊቦም።ብድሕሪኡ ሴኔጋል ተወሳኺ ሸቶ ንምምዝጋብ፡ጋና ክትከላኸል ነዊሕ ተጛዒዘን።

ተወሳኺ ሸቶ ከይተመዝገበ’ውን ፀወታ ክዛዘም’ዩ እናተባሃለ ከሎ ኣብ ዝዙም ጊዜ ሴኔጋላዊያን ካልኣይቲ ሸቶ ኣመዝጊቦምን ሰለስተ ነጥቢ ሒዚምን ካብ ሜይዳ ወፂኦም።

ጋንታ ጋና እቲ ውሩይ ተሰላፊኣ ኣሳሞሃ ጅያን ብጠንቂ ዓሶ ኣይተሰለፈን።

ሎሚ ሶንይ ዝህሉ ካልኣይ ግጥም ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ኣልጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ኮይኑ’ሎ።

ፅባሕ ሰሉስ፡ካሜሩንን ኣይቮሪኮስትን ጊኒን ማሊን ኣርባዕቲኤን ካብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ግጥም ይፅበየን’ሎ።ንኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ’ውን ኣዝዩ ማራኺን መሳጢን ግጥም ክኽውን’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG