ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ መቐለ


Ethiopian Epiphany (Timeket)…
Ethiopian Epiphany (Timeket)…

በዓል ጥምቀት እየሱስ ኣብ ከተማ መቐለ:

ግርማይ ገብሩ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ መቐለ በኣል ጥምቀት ኣብ ዝተኸበረሉ ጐልጎል ሰውሒ ንጉስ ተረኺቡ ኣብ እንታይነት እቲ ባዓል ኣመልኪቱ ንመንፈሳዊ መምህር ሓቲቱ ዘሰናደኦ እንግዶት ልኢኹ’ሎ::

መጋቢ ምስጢር ያሬድ መብራህቱ “መጽሓፍ ቅዱስ እየሱስ ክርስቶስ ብኢድ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ከም ዝተጠመቐ ይገልጽ:: ትርጉሙ ድማ ዳግመ ውልደት ማለት እዩ:: ኣብ ውሽጢ ጸልማትን ሓጥያትን ዝነበርና ክርስቶስ ዳግም ወሊዱና:: ጥምቀት ድማ ሓንቲ እያ ኣይትቕየርን፤ ኮይኑ ግና ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ ከይርሳዕ ምስክርነት ብምሃብ ዓመታዊ ንዝክሮ ኣለና ማለት እዩ” ይብሉ::

ኣከባብርኡ ድማ ኣብ ድሮ ጥምቀት ኣድባራት ከካብ ዘለውዎ ብለባስያን፣ ብመዘምራንን ህዝበ ክርስትያንን ታዓጂቦም ከም ወዮ ክርስቶስ ናብ ዮሃንስ ዝኸደሉ ናብ ሓደ መጥምቐ ባሕሪ ይእከቡ፤ ኣውኡ ድማ ይሓድሩ::

Ethiopian Epiphany (Timeket)…
Ethiopian Epiphany (Timeket)…

ኣብ ዕለተ ጥምቀት ስርዓተ ጸሎትን ምስጋናን ተሰሚዑ ዝተባረኸ ማይ ተነጺጉ ረፋድ ምስኮነ ኣድባራት ብዘይካ ታቦተ ሚኪኤል ነናብ መረበቶም ይምለሱ:: ታቦተ ሚካኤል ክልተ ለይቲ ሓዲሩ ኣብ ጽባሕ ጥምቀት (ኣብ ቃና ዘገሊላ) እዩ ዝምለስ::

ቃና ዘገሊላ ማለት እየሱስ ቃና እብ ዝተባሃለ ስፍራ ኣምላኽ ስለዝኾነ ብሓይሉን ስልጣኑን ማይ መሊኦም ዝነበሩ ኣጋንእ ናብ ወይኒ ዝቐየረሉ ተኣምራት ዝገልፅ ዓብዪ ባዓል እዩ ብምባል የረድኡ መጋቢ ምስጢር ያሬድ::

ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጲያ ኣከባብራ በኣል ጥምቀት ብምዕቃብ ናብ ወለዶ ንኽሰግር ብዝግባእ ትሰርሕ ምህላዋ ድማ ኣረጋጊፆም::

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:23 0:00

XS
SM
MD
LG