ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንቨስተራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣፍሪካ 14 ቢሊዮን ዶላር ከፍስሱ እዮም


ኢንቨስተራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣፍሪካ
ኢንቨስተራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣፍሪካ

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኢንቨስተራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣፍሪካ 14 ቢሊዮን ዶላር ኢንቨስት ንምግባር ቃል ምእታዎም ዕላዊ ክገብሩ እዮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ነዚ ዕላዊ ዝገብሩ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝካየድ መድረኽ ነጋዶ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን እዩ።እዚ ኣካል ፕሬዝዳንት ኦባማን 50 መራሕቲ ኣፍሪካን የካይድዎ ዘለው ናይ ሰለስተ ማዕልታት ጉባኤ እዩ።

እቲ ኢንቨስትንት ዓውድታት ኢነርጂ፣ባንኪ፣ህንፀትን ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂን ከምዝጠቓልል ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ኣፍሊጦም ኣለው።

ጉባኤ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን ካብ ዞባዊ ፀጥታ ክሳብ ጥዕና፣ካብ ከባቢያዊ ሓለዋ ክሳብ ግዕዝይና ሓዊሱ ዝተፋለላዩ ጉዳያት ብምህድሳስ ትማሊ ሰኒ እዩ ተጀሚሩ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽትል ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ኣፍሪካ ብኢኮኖሚ ኣብ ዓለም ብቕልጡፍ እናዓበየት እትርከብ ክፍለ ኣህጉር ስለዝኾነት ናይ ዓለምና መፃኢ ምዕባለ መልክዕ ክሕዝ እዘን ሃገራት እዚአን ክሕግዛ እየን ኢሎም።

ሎሚ ካልኣይ ማዕልቱ ኣብዝሓዘ ዋዕላ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን ኣብ ንግድን ልምዓትን ኣፍሪካ ትኹረት ገይሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG