ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ኣፍሪካ ዓቀብቲ ሰላም ንኸማዕብላ በብዓመቱ 110 ሚሊዮን ዶላር ክምድብ እየ ኢላ ዩናይትድ ስቴትስ


UA Africa
UA Africa

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝቕፅሉ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ሃገራት ኣፍሪካ ቕልጡፍ ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ንኸማዕብላ በብዓመቱ 110 ሚሊዮን ዶላር ከም እትምድብ ኣፍሊጣ።ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ነዚ ሓድሽ ተበግሶ ዕላዊ ዝገበሩ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ 50 መራሕቲ ኣፍሪካ ዘካየደቶ ጉባኤ ብምዝዛም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መዕፀዊ መደረ እዩ።

ካብ ናይ ናይጀሪያ ቦኮ ሓራም ክሳብ ናይ ሱማሊያ ኣል-ሸባብ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ዝፍነወን መጥቓዕትታትን ህውከትን ንምምካት ይቃለሳ ኣለዋ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ናይ ሞሪታኒያ ፕሬዝዳንትን ዝኾኑ መሓመድ ኦውልድ ዓብድል ዓዚዝ ኣብ ጉባኤ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ናይታ ኣህጉር ዝዓበየ ፈተና ዘይምርግጋእ እዩ ኢሎም።

ዕጥቃዊ ግጭት፣ዘይሕጋዊ ዝውውር፣ዝተወደበ ገበን፣ዘይሕጋዊ ዝውውር እንስሳ ዘገዳም፣ኮንትሮባንድ መድሓኒታት ብዝኣመሰሉ መዳያት ሰላምን ፀጥታን ዓበይቲ ፈተናታት ኣፍሪካ እዮም ኢሎም።

ስዒቦም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሓድሽ ተበግሶ ሽርክነት ዕላዊ ገይሮም።ህፁፅ ግብረ መልሲ ዓቃቢ ሰላም ብዝብል ዝፅዋዕ።ሃገራት ብተልእኾታት ሕቡራት መንግስታት ወይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣቢለን ህፁፅ ሓልታት ከዋፍራ ዘኽእለን ሓገዝ እዩ ኢሎም።

‘’ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ምዕቃብ ሰላም ብቕዓተን ምስ ዘረጋገፃ ሽዱሽተ ሃገራር ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና።ምስ ጋና፣ሴኔጋል፣ሩዋንዳ፣ታንዛኒያ፣ምስ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ክንሰርሕ ኢና’’ኢሎም።

ካብ ኣፍሪካ ወፃኢ ንዘለዋ ካልኦት ሃገራት እውን ዓዲሞም ፕሬዝዳንት ኦባማ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ብምውሳኽ ኣብ ሱማሊያን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ንዝተዋፈሩ ኣፍሪካዊያን ዓቀብቲ ሰላም ተወሳኺ ዘድሊ ኣቑሑት ከምዘቕርቡ ቃል ኣቲዮም ኣለው።

ካብ 2009 ኣ/ፈ ጀሚሩ ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሪካዊያን ዓቀብቲ ሰላምን ትካላትን ንምሕያል ናብ 900 ሚሊዮን ዶላር ንምውፍይ ቃል ከምዝኣተወት ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG