ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞ ሰልፊ-፡ ኣብ ዴንማርክ ብደለይቲን ሓተቲን ዑቑባ ዝኾኑ ኤርትራውያን


Eritrea-Denmark-Demo-12-1914
Eritrea-Denmark-Demo-12-1914

ኣብ ዴንማርክ ደለይቲን ሓተቲን ዑቑባ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣንፃር'ቲ ኣብ ቐረባ አገልግሎት ኢሚግረሽን ዴንማርክ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምኻድ መበገሲ ስደት ኤርትራውያን ብዝምልከት ኣካይደዮ ዝበሎ መፅናዕታዊ ፀብፃብ ብምቕዋም ኣብ ቐፅሪ ፓርላማ'ታ ሃገር ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ቀረባ ንዝተራእየ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ከምኡ'ውን ኣብ ኤውሮጳ ስለ ዘሰንበዶ ሓደ ተልእኾ ኣናዳይ ሓቂ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምልኣኽ መበገሲ'ቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ብምፅናዕ ሓደ ፀብፃብ ምውፂኡ ይፍለጥ ።

እዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ቤት-ዕዮ አገልግሎት ኢሚግሬሽን ዴንማርክን - ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ውሽጢ ዴንማርክን ደገን ንዘለው ኤርትራውያን የዘራርብ'ሎ። ጉጅለታት ተሓለቅቲ መሰላት'ውን ይቃወምዎ'ለው።

ሎሚ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝምልከት ሙሉእ ፀብፃቡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:19 0:00

XS
SM
MD
LG