መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ቀረባ ንዝተራእየ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ከምኡ'ውን ኣብ ኤውሮጳ ስለ ዘሰንበዶ ሓደ ተልእኾ ኣናዳይ ሓቂ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምልኣኽ መበገሲ'ቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ብምፅናዕ ሓደ ፀብፃብ ምውፂኡ ይፍለጥ ።
ኣብቲ ፀብፃብ ከም ሓደ ካብ ምንጭታት ሓበሬታ ተገይሩ ዝተጠቅሰን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት መፅናዕቲ ዝገብርን መፃሕፍቲ ዝፀሓፈን ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ካብ ሎንደን ካብቲ ፀብፃብ ርእሱ ኣግሊሉ'ሎ።
እዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ቤት-ዕዮ አገልግሎት ኢሚግሬሽን ዴንማርክን - ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ውሽጢ ዴንማርክን ደገን ንዘለው ኤርትራውያን የዘራርብ'ሎ። ጉጅለታት ተሓለቅቲ መሰላት'ውን ይቃወምዎ'ለው።
ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ብዛዕባ'ቲ ምስቲ ትልእኾ ኣናዳይ ሓቂ ዝነበሮ ርክብን ዝርርብን፣ አማኑኤል በራኺ ነባሪ ዴንማርክ ዝኾነ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ'ቲ ፀብፃብ እንታይ ይበሃልን ይግበርን ከም ዘሎ ዝፈልጦ ንኽገልፁልና ኣዘራሩብናዮም'ለና።
ሙሉእ ፀብፃቡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።