ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወ/ሮ አልማዝ ነጋሽ -፡ ተሸላሚት "ሽልማት ኣፍሪቃውያን ደያስፖራ ሃነፅቲ ድልድል"


Almaz Negash
Almaz Negash

ኤርትራዊት- ኣሜሪካዊት ወ/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ'ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ዩናይትድ ስቴይትስን-ኣፍሪቃን ክርከቡ ዕድል ዝረኸቡ ሓንቲ'ያ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ
ወ/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ

ወ/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ ኣብቲ እዋን ካብ "መድረኽ ሕብረት ኣፍሪቃ" ሽልማት " ኣፍሪቃውያን ዲያስፖራ ሃነፅቲ ድልድል" ካብ መንጎ ዝተሸለሙ ሓንቲ 'ያ።

ወ/ሮ ኣልማዝ መስራቲት ንመክሰብ ዘይቆመ ትካል ኣፍሪቃ ዳይስፖራ ኔት ወርክ ክትከውን ኸላ ብተወሳኺ ኣብ ትነብረሉ ከባቢ ድኽነት ንምንካይ ናይ ዝፅዕር ትካል ስቴፕ ኣፕ ኣካያዲት ስራሕ'ውን እያ።

እቲ ሽልማት ኣብ ልምዓት፣ ምጥንኻር ዝምድናታትን ፣ ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሶም ኣበርክቶኦም ንዝገብሩ ኣፍሪቃውያን ዘተባብዑ ኣፍሪቃውያን ደያስፖራ ዝወሃብ'ዩ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ ኣብ ዩናይትድ ስቴይትስ ከተማ ሳንሆዜ ክፍለ ግዛኣት ካሊፎርንያ'ያ ትነብር።

ምሉእ ተመክሮኣ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

ወ/ሮ አልማዝ ነጋሽ -፡ ተሸላሚት "ሽልማት ኣፍሪቃውያን ደያስፖራ ሃነፅቲ ድልድል"
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:26 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG