ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

5 ሃገራት መዳርግቲ ዓለም-ለኸ ትካላት ገንዘብ መስሪተን


BRICS
BRICS

ብራዚል፣ህንዲ፣ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃ፣ንዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝወዳደር ኣማራፂ ትካል ገንዘብ መስሪተን።

መራሕቲ‘ተን ብሪክስ እናተባሃላ ብኣሕፅሮተ-ቃል ዝፍለጣ ሓሙሽተ ማዕበልቲ ሃገራት ምምስራት‘ቲ ባንኪ ዘፍለጡ ድሕሪ‘ቲ ኣብ ፎርታሌዛ ብራዚል ዘካየድዎ ዋዕላ‘ዩ።

ኣብ ክንዲ ባንኪ ዓለም ዝብልዎን ሓድሽ ባንኪ ልምዓት ኢሎም ዝፅውዕዎን እቲ ባንኪ፣ሓምሳ ቢልዮን ዶላር ኣብ ውግእ ፀረ ድኽነት ዝውዕል ከዚኑ‘ሎ።እቲ ባንኪ ፈላማይ ልቃሕ ድሕሪ ክልተ ዓመት ከምዝጅምር‘ውን ተሓቢሩ‘ሎ።

ብዘይካ‘ዚ ብሪክስ፣ተወሳኺ ሚእቲ ቢልዮን ዶላር ናይ ሓፂር ጊዜ ልቃሕ ኣብ ክንዲ ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብ ኢሉ ኣዳልዩ‘ሎ።

እዘን ዝተጠቅሳ ሓሙሽተ ሃገራት ዝውንነኦ ቁጠባ፣ነቲ ብምዕራባውያን ዝዕብለሉ ባንኪ ዓለምን ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብን ከምመማረፂ ቀሪቡ‘ሎ።

ዋና ቤት ፅሕፈት ባንኪ ብሪክስ ኣብ ሻንጋይ ቻይና፣ቀዳማይ ፕረዚደንት‘ቲ ባንኪ ህንዳዊ፣ኣቦ-መንበር‘ቲ ባንኪ ብራዚላዊ ክኾኑ‘ዮም።

ኣባል ሃገራት ዘዋፅአኦ መጠን ገንዘብ ዝፈላለ‘ዩ።ቻይና 41 ቢልዮን ዶላር፣ብራዚል፣ህንድን ሩስያን ማዕረ ዓዓሰርተ ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር፣ደቡብ ኣፍሪቃ ሓሙሽተ ቢልዮን ከዋፃኣ‘የን።

ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብ፣ብሕልፊ ንማዕበልቲ ሃገራት ከቢድ ውሽጣዊ ምትዕርራይ ኣቀዲሙ ይሓትት‘ዩ እናተባሃለ ይንቀፍ።ብዘይካ‘ዚ፣ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ፣ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብ ንድኻ ሃገራት ንከሐግዝ ዘኽእሎ ገንዘብ ካብ ምልቃሕ ተቆጢቡ‘ዩ ዝብል ወቀሳ ካብ ገለ ወገናት ይስማዕ።

XS
SM
MD
LG