ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤልጅየም ንኣልጀርያ ስዒራ፣ብራዚልን ሜክሲኮን ዜሮ ንዜሮ ተፈላልየን


ብራዚልን ሜክሲኮን
ብራዚልን ሜክሲኮን
ሎሚ ሰሉስ ኣልጀርያ ኣንፃር ቤልጅየም ቀዳማይ ግጥም ነይሩ።እዚ ምድብ‘ዚ ዳርክ ሆርስ(ዘይፍለጡ ጋለብቲ ፈረስ) ዝብል መግለፂ ዝረኸበ‘ዩ። ብዙሕ ዝፍለጣን ምዕራፈን ክንፀር ስለዘይካኣልን‘ዩ እዚ መፀውዒ ረኺበን። ብዝኾነ ኣልጀርያ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ፀወታ ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ሸቶ ኣመዝጊባ።እቲ ፀወታ ብዘይ ተወሳኺ ሸቶ ክሳብ ሰብዓ ደቃይቅ ቀፂሉ። ተቀይሩ ዝኣተወ ፈላኒ ንቤልጅየም ማዕረ ትገብራ ሸቶ ኣመዝጊቡ።ቤልጀም መጥቃዕታታ ብምቅፃል ኣብ መበል 78 ደቃይቅ ካልኣይ ሸቶ ኣመዝጊባ። ነቲ ፀወታ ተቆፃፂራቶ።እቲ ፀወታ‘ውን ከምኡ ክልተ ንሓደ ተዛዚሙ።

ካልኣይ ናይ‘ዛ ዕለት‘ዚኣ ግጥም ብራዚልን ሜክሲኮን ነይሩ።ክልቲኤን ጋንታታት ብዘይሸቶ ባዶ ንባዶ ተፈላልየን።ኣኣርባዕተ ነጥቢ ሒዘን ነቲ ምድብ ይመርሐኦ‘ለዋ።ብራዚል ብዙሕ ሸቶ ስለዘመዝገበት ቀዲማ ትስራዕ። ብራዚል ምስ ካሜሩን፣ሜክሲኮ ምስ ክሮኤሽያ ሳልሳይ ግጥም ክኸውን‘ዩ።

ትማሊ ሶኒ ጋንታታት ናይጀርያን ኢራንን ኣዝዩ ኣሰልቻዊ ቴስዓ ደቃይቅ ብዘይ ሸቶ ተፈላልየን።ክልቲኤን ጋንታታት እምበር‘ዶ ግጥማት መፃረዪን ቅድመ ምድላውን ኣካይደን‘የን ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ በፂሔን ዘብል ሕቶ ኣበጊሱ‘ዩ ናይ ትማሊ ፀወታአን።

ተመሳሳሊ ሪኢቶ ዝሃበ ኣብ ሓደ እዋን ኮኸብ ተሰላፋይ ነበርን ናይ‘ታ ጋንታ ኣባል ኮሚቴ ቴክኒክ ዝኾነን ጀይ ጀይ ኦካቻ፣ንዓላሚ‘ታ ጋንታ ስቴፈን ኬሺ ነቂፍዎ።ንትሑት ዝብቅዓቱ ፀወታ ናይጀርያ ዝሕተተሉ ዓላሚ‘ታ ጋንታ ስተፈን ኬሽ‘ዩ ባሃላይ‘ዩ ጀይ ጀይ ኦካቻ።ናይጀርያ ካብ‘ቲ ናይ ትማሊ ግጥም ምስ ኢራን ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ክትወፅእ ነይሩዋ ይብል ንሱ።

ንመጋጥምተን ኣርጀንቲናን ቦስንያ-ሄርዘጎቭንያን ግና ብስራት‘ዩ።

ትማሊ ምሸት ዝተካየደ ሳልሳይ ግጥም ኣብ ሞንጎ ጋናን ኣሜሪካን ነይሩ። ኣሜሪካ ሓደ ደቂቃ ከይመልአ ንቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ።ጋና ድሕሪ ዕረፍቲ ማዕረ ትገብራ ሸቶ ኣቁፂራ።ኣሜሪካ እንደገና እቲ ፀወታ ንክዛዘም ኣርባዕተ ደቂቃ ምስ ተረፎ ካልአይቲን ወሳኒትን ሸቶ ኣመዝጊባ ክልተ ንሓደ ተዓዊታ።ጋንታ ጋና ሰለስተ ኢድ ጊዜ ንኩዕሶ ወኒና ግን ተሳዒራ ወፂኣ።ጋና ኣሰራርዓኣን ቅዲ ፀወታኣን እንተዘይቀይራ፣ናብ ካልኣይ ዙር ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣዝዩ ኣዝዩ ዝፀበበ‘ዩ።ቀፃላይ ግጥማ ኣንፃር ጀርመን‘ዩ። ኣሜሪካ ኣንፃር ፖርቹጋል።

ኩለን ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ቀዳማይ ፀወታ ኣካይደን‘ለዋ።ኣይቮሪኮስት ጥራሕ ተዓዊታ።ናይጀርያ ማዕረ ባዶ ንባዶ ተፈላልያ።ጋና፣ካሜሩንን ኣልጀርያን ተሳዒረን።ኣጀማምረአን ግና ኣይግድን።
XS
SM
MD
LG