ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ድኽነት እናወሰኸ`ምበር እንነነከየ ከምዘይከደ ገለ ነበርቲ ተዛሪቦም


ኢትዮጵያ
ኢትዮጵያ

"ንምንባር`ኳ ኣይከኣልናን እናተባህለ፡ መጠን ድኽነት ቐኒሱ ኢልካ ምዝራብ ሓሶት`ዩ፡ እኳ`ድኣስ ድኽነት ብዝኸፍኤ ደረጃ ወሲኹ`ዩ"


ንሳቶም ነቲ ርኢቶ ዝሃቡ፡ ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ሶፍያን ኣሕመድ፡ ድኽነት ነኪዩ ኣታዊ ዜጋታት`ውን ወሲኹ ክብሉ ንፓርላማ ሃገሮም ድሕሪ ምዝራቦም`ዩ።

ቪኦኤ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ባሕርዳርን ኣዲስ ኣበባን፡ እቶም በዓል-ስልጣን መንግስቲ ከምኡ ዝበሉ፡ ብፖሊቲካዊ ዓይኒ ስለዝረኣይዎ`ዩ`ምበር "ናብራናስ ፍጹም ናብ ዝይከኣለሉ ደረጃ እናኸፍኤ`ዩ ዝኸይድ ዘሎ" ኢሎም።

ሓደ ዜጋ ፡ ናብራኹም ካብ 10 ወይ 5ተ ዓመት ካብ ዝነበሮ ተመሓይሹ`ዶ ንዝብል ሕቶ ፡" ብጣዕሚ ዝወረደ`ዩ" ክብል መሊሱ።

ብዛዕባ`ቲ በዓልስልጣን ኢትዮጵያ ዝበልዎ ምንካይ ድኽነት ሞያዊ ርእይትኦም ክህቡ ዝተሓተቱ ኣብ`ዚ ኣብ ኣመሪካ ፡ ስነ-ቑጠባ ዝምህሩ ፕሮፈሰር ጌታቸው በጋሻው ብወገኖም "ንምንባር`ኳ ኣይከኣልናን እናተባህለ፡ መጠን ድኽነት ቐኒሱ ኢልካ ምዝራብ ሓሶት`ዩ፡ እኳ`ድኣስ ድኽነት ብዝኸፍኤ ደረጃ ወሲኹ`ዩ" ኢሎም።
XS
SM
MD
LG