ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጁቡቲ ካብ ዝረከቡ ኤርትራውያን “እሱራት” ሓደ ትማሊ ረቡዕ ዓሪፉ


FILE - Djibouti's President Ismail Omar Guelleh.
FILE - Djibouti's President Ismail Omar Guelleh.

ወዲ 21 ዓመት ቶማስ ሓዲሽ ብሰንኪ ጉድለት ሕክምና ከምዝሞተ ምስኡ ዝነበሩ ንቪኦኤ ገሊጾም።

ወዲ 21 ዓመት ቶማስ ሓዲሽ ብሰንኪ ጉድለት ሕክምና ከምዝሞተ ምስኡ ዝነበሩ ንቪኦኤ ገሊጾም።

“ናብ ሳዋ`ኳ ዘይወረደ ሰላማዊ ሰብ ተማሃራይ 11 ክፍሊ ዝነበረ ክንሱ፡ ከም ምሩኽ ወተሃደር ተኣሲሩ ክሳቐ ጸኒሑ ይብል ነቲ ዜና ዝሓበረ ስደተኛ።

ኣብ መንጎ ምሩኻትን ብድልየቶም ናብ ጅቡቲ ዝሰገሩን ኤርትራውያን ዘሎ ኣተሓሕዛ ክገልጽ ዝተሓተተ ሓደ ስደተኛ “እቲ ናይ ዱመራ ኩነታት ስልዝፈልጦን ስለዝነበርክሉን፡ ኣነ ምሩኻት ክብሎም ኣይክእልን`የ፡ ኣብ ዓውዲ ኩናት ዝተማረኹ ኾይኖም ኣስምዓንን`ዩ፡ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ክዛረብ`ኳ ክብድ ዝብል ነገር`ዩ” ኢሉ።

ይኹን`ምበር መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ምሩኻት ዝብሎም 18 ሰባት ኮነ ኣብ ልዕሌና ዝገብሮ ዘሎ ኣተሓሕዛ ካብ ስብኣውነት ወጻኢ`ዩ ኢሉ።

ምስኡ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ`ሎ፡
Eritrean died in Djibouti
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:04 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG