ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ልደተ-ክርስቶስ ህዝበ-ክርስትያን ሎሚ ተኸቢሩ


People celebrate Christmas )
ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ሚልዮናት ሰባትን መራሕቲ ዓለምን ሎሚ ንበዓል-ልደት-ክርስቶስ ህዝበ-ክርስትና አብዒሎም ዊዒሎም።



ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤት-ክርስትያን ሮማ ካቶሊክ ብምኽንያት'ዚ በዓል ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ-ስብከት ኣብ ዓለም ማሕበራዊ ውህደት ክህሉ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይጀርያ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ኢራቅን ሶርያን ዘሎ ህውከት ጠጠው ክብል መልእኽቲ አመሓላልፎም። ዘተ ሰላም እስራኤል ፍልስጤማውያን ኸአ ፅቡቅ ውፂኢት ከፍሪ ፀልዮም።



ክርስቶስ ኣብ ዝተወልደላ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ፍልስጤማውያን ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ትርከብ ቤት-ልሄም ኣብ ዝርከብ ቤት-ክርስትያን ኸአ ሰነ ስርዓት ፀሎት ብምክያድ ተኸቢሩ።



ናይ ዩናይትድ ስቴይትስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኸኣ ብምኽንያት'ዚ በዓል ፅቡቅ መልእኽቲ አመሓላሊፎም፣ ንወታሃደራት ኣሜሪካን ስድርኦምን ንአገልግሎቶምን ንመስዋእትነቶምን ንኢዶምን አመስጊኖምን።
XS
SM
MD
LG