ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዘረባ ሒዙ`ሎ


UN-Delegation in Eritrea

እቲ ብምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ ዲረክተር UNDPን Mr. Abduolaye Dieye: ዝምራሕ ጉጅለ፡ 8ተ ኣባላት ዘለውዎ`ዩ

ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ልኡኽ ብዛዕባ ስትራተጂያዊ ሽርክነትን፡ ኩነታት ልምዓትን ካልኦት ጉዳያትን ተመያይጡ`ሎ።

ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ብወገኖም፡ ምንስተር ወጻኢ ዖስማን ሳልሕ ፡መንግስቶም ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባትን ዘለዎ መርገጽ ከምዘገለጸሎም ኣተንቢሆም ኣለዉ።

እቶም ምንጭታት ንተወሳኺ ቃለ-መጠይቕ ተሓቲቶም ክርከቡ ኣይተኻእሉን። እቲ ልኡኽ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ወግዓዊ ርክብ ኔርዎ እንተኾይኑ ኣይተገልጸን፡ግን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ናይ ድራር እንግዶት ተረኺቦም ምንባሮም ተሓቢሩ`ሎ።

ሕጂ ዝመጻና ዜና ከምዝሕብሮ ድማ፡ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ ዲረክተር UNDPን Mr. Abduolaye Dieye: ገለ ኣባላቶም ኣብ ኤርትራ ገዲፎም ንሶም መገሽኦም ዛዚሞም ወጺኦም ኣለዉ፡

ተወሳኺ ሓበረታ ኣብ ምልክት ድምጺ`ሎ፡
XS
SM
MD
LG