ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ሶማልያ ተወሳኺ ሰራዊት ክኣትው ቤት ምኽሪ ፀጥታ ወሲኑ


UNSC
UNSC
ኣብ ሶማልያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዝዋጋእ ዓቃቢ-ሰላም ኣርባዕተ ሽሕ ወትሃደራት ከምዝውሰኽሉ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ሎሚ ኣፍሊጡ።

እዚ ማለት በዝሒ ዓቃቢ-ሰላም ናብ 22 ሽሕ ክብ ከብሎ‘ዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኹ፣ሰራዊት ሶማልያ ምስ ዓቀብቲ ሰላም ሓባራዊ ወፍሪ ኣብ ዘካይድሉ እዋን፣ቀረብ መግቢ፣ማይ፣ነዳዲን ካልኦት ነገራትን ከምዝዋሃብ ይሕብር።

እቲ ሓድሽ ውሳነ ብእንግሊዝ‘ዩ ተዳልዩ።ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ‘ቲ ቤት ምኽሪ ማርክ ላያል ግራንት፣ኣሚሶም ኣብ ምድኻም ኣል-ሸባብ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሎም‘ለው።

”ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝተፈፀሙ መጥቃዕታት ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ኣል-ሸባብ ንሶማልያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ‘ቲ ዞባ‘ውን ስግኣት ምኳኑን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ስጉምቲ ዝወስደሉ ጊዜ ሎሚ ምኳኑን‘ዩ” ኢሎም።

ኣል-ሸባብ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ስፍራ ናይሮቢ ዝሓለፈ መስከረም ዝተኸሰተ ሓደጋ ባዕለይ‘የ ፈፃሚኡ ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ሓይልታት ኣሚሶም፣ኢትዮዽያን ሶማልያን ንኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾን ካልኦት ከባቢታትን ሶማልያ ፀሪጎም ከምዘውፅእዎ እቲ ዜና ይሕብር።
XS
SM
MD
LG