ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዓረና፣ናይ ምሽባር ተግባር የለን - ኣቶ ሓድሽ ዘነበ


TIGRAY
TIGRAY
”ህዝቢ በቲ ዘቅረብናሉ ኣማራፂ ምጥቃም ዝጀመረሉ እዋን ስለዝኾነ፣ ኣብ ጎደና ልምዓትን ለውጢን ስለዝርከብ፣ናይ ሓደ ፓርቲ ኣባላት ነሳድደሉን ነሸብረሉን ኩነታት ፈፂሙ ክህሉ ኣይኽእልን” ይብሉ ኣቶ ሓድሽ ዘነበ።

ንሶም ወሲኾም ”ኣብ ኢትዮዽያ ስርዓት ብዙሓት ፓርቲታት‘ዩ ዘሎ፣ካብ ዝኾነ ሓይሊ ዝያዳ ተቃሊስናሉን መስዋእቲ ከፊልናሉን፣እቲ ህዝቢ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ስለዝኾነ መሰሉ ክሸራረፍ ከሎ ስቅ ኢሉ ዝሪኢ ህዝቢ ኣይኮነ፣ ስለዚ ዓረና ኣብ ክንዲ ዕላምኡ ንህዝቢ ኣረዲኡ ተቀባልነት ክረክብ ዝፍትን፣ደድሕሪ ዘማርር ሰብ እናሳዓብካ ንፕሮፓጋንዳ ምጥቃምን ብድኽመቱ ክሰርሖ ዘይካኣለ ስራሕ ንገዛኢ ፓርቲ እናሳበበ ምጥቃን‘ዩ ተታሒዙዎ ዘሎ” ኢሎም።

ናይ ትማሊ ሶኒ ጋሻና ዝነበሩ ኣቦ-መንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ብርሃኑ በርሀ፣ኣብ ወልቃይት፣ተምቤንን ራያን ኣባላትና ብገዛኢ ፓርቲ ይእሰሩን ይሽበሩን‘ለው ከምዝበሉና ይዝከር።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:32 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG