ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ መግቢ ዓለም ሎሚ ተኸቢሩ


መዓልቲ መግቢ ዓለም
መዓልቲ መግቢ ዓለም
ብደረጃ ዓለም ብሕሱም ጥምየት በዝሒ ዝተጠቅዑ ሰባት፣ካብ‘ቲ ናይ ዓሚ ናይ ሎም-ዘበን ብኣስታት ሰላሳ ሚልዮን ምንካዩ፣ትካል መግብን ሕርሻን ሕ/ሃ ገሊፁ።

እንተኾነ በዝሒ ብጥምየት ዝሳቀዩ ህዝቢታት ዓለም ክሳብ ሸሞንተ ሚእቲ ሚልዮን ከምዝበፅሕ እቲ ትካል ኣፍሊጡ‘ሎ።

ኤርትራ ካብ‘ተን ኣብ ኣዝዩ ዘሻቅል ኩነታት ጥምየት ኣለወን ዝባሃላ ሰለስተ ሃገራት ሓንቲኤን ክትከውን ከላ፣ኢትዮዽያ ድማ ዘሻቅል ኩነታት ጥምየት ኣለወን ካብ ዝባሃላ 16 ሃገራት ከምዝተሰርዐት እቲ ሪፖርት ይሕብር።

መብዛሕተአን ብሕሱም ጥምየት ዝሳቀያ ሃገራት፣ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝርከባ እዋን እቲ ዜና ይጠቅስ።
XS
SM
MD
LG