ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲንን ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ብዛዕባ ክውሰድ ዝኽእል ወታደራዊ ስጉምቲ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣኼባ ጉጅለ-20 ጎናዊ ዝርርብ ድሕሪ ምክያዶም ሕዚ’ውን ኣይተረዳድኡን።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ናይ ሎማዕንቲ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለፂኦም ምስ ፕሬዝዳንት ፑቲን ‘’ቅኑዕን’’ ’’ሃናፅን’’ ምይይጥ ኣካይድና ኢሎም።እንተኾነ ግን ኢሎም እቲ ዝርርብ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ናይ ወፃኢ ወታደራዊ ጣልቃ ምእታው ንዝቃወም ናይ ሩሲያ መርገፂ ዝልውጥ እዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ሓቢሮም።
ፕሬዝዳንት ፑቲን ግን ኣንፃር ሶሪያ ዝፍፀመ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ መጥቓዕቲ ዘይጛዊ እዩ ኢልምዎ ኣለው።
መብዛሕቲኦም መራሕቲ ጉጅለ-20 ትማሊ ሓሙስ ኣብዝነበረ ናይ ድራር እንግዶት መንግስቲ ሶሪያ ነቲ ናይ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ መንግስቲ ሶሪያ እዩ ምስ ዝብል መደምደምታ ዩናይትድ ስቴትስ ምቹዋት ምዃኖምን ሓቢሮም።ፕሬዝዳንት ኦባማ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ወታደራዊ ስጉምቲ ዝወስድሉ ምኽንያት ንናይ 1994 ኣ/ፈ ናይ ሩዋንዳ ምፅናፍ ዘርኢ ከምኣብነት ጠቒሶም።
ዓብዪ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ክፍጠር ከሎ ዩናይትድ ስቴትስ ስጉምቲ ንኽትወስድ ክሉሻዕ ድፍኢት ይበፅሓ እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ።
ኣብ ሩዋናዳ ዓለም ስጉምቲ ኣይወሰደን ኢሎም ዘማርሩ ሰባት ኣብ ዓለም ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት እንትፍፀም ንምንታይ ኢና ሓደ ነገር ዘይንገብር? ይብሉ።ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ድማ የማዕድው።እታ ኣብ ዓለም ኣዝያ ሓያል ሃገር ዩናይትድ ስቴትስ ንምንታይ ሓደ ነገር ዘይገበረት? ንምንታይ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ተግባር ክፍፀም ፈቒድኩም?ዝብል ሕቶ ይልዓል ኢሎም።
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ጥርጥር ኣብ ዝኣትየሉ እዋን ዩናይትድ ስቴትስ ስጉምቲ ንኽትወስድ ከቢድ ከምዝገብሮ ሓቢሮም።
ኣብ 1994 ኣ/ፈ ኣብ ሩዋናዳ ኣኽረርቲ ሁቱ 800 ሽሕ ንዝግመቱ ዓሌታት ቱትሲን ለዘብተኛ ሁቱን ዝተቐተልሉ ዘርኣዊ ጭፍጨፋ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣይነበረን።
ብኻሊ ዜና ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሊባኖስን ቱርንኪን ክልዓለ ክኽእል እዩ ዝበልዎ ህውከት ናብተን ሃገራት ንዝጉዓዙ ዜጋታታ ኣጠንቂቓ።
ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ ተልእኾ ዘይሰርሑ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ልዕሊ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ትካላት ብዘሎ ስግኣት ካብተን ሃገራት ንኽወፁ ኣዚዙ’ሎ።