ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ካብ ኣባልነት ICC ንክትወፅእ ፓርላማ‘ታ ሃገር ወሲኑ


KENYA
KENYA
ፓርላማ ኬንያ፣ካብ‘ቲ ንፕረዚደንትን ምክትሎምን ብገበን ሰብኣዊነት ዝኸሰሰ ቤት ፍርዲ ዓለም ኣባልነት ንምውፃእ ንዝቀረበሉ ኣጀንዳ ተቀቢሉ ኣሕሊፍዎ።

ኣብ‘ቲ ሎሚ ሓሙስ ዝተካየደ ውዕውዕ ክትዕ፣ኣባላት ተቃውሞ ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ንክወፁ ከምዝተገደዱ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

መራሒ ፓርላማ ኣብዛሓ ኣደን ዱዋሌ፣ካብ ኣባልነት ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ምውፃእ ንፅባቀ‘ታ ሃገር ዝኩሕልን ንዜጋታታን ሉኣላዊነታን ዝዕቅብን‘ዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ምክትሎም ዊልያም ሩቶን፣ብጠንቂ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝተፈፀመ ቅትለት 1,200 ሰባት በቲ ቤት ፍርዲ ከምዝድለዩ ዝፍለጥ‘ዩ።ክልቲኦም ተኸሰስቲ ግና፣ኣይዋዓልናሉን ይብሉ።
XS
SM
MD
LG