ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መናእሰይ ኢትዮ- ሰርከስ ዝላዓለ ውፅኢት ጥበብ ኣመዝጊቦም


Ethio-Circus

ኣባላት ኢትዮ- ሰርከስ መናእሰይ ኣማኑኤል ሚኪኤልን ሳሙኤል ዓፈራን ኣብ Guinness World Records ዝሰፍር 40 foot juggling flips ኣብ 30 ሴኮንድታት ብምስራሕ ዝላዓለ ውፅኢት ኣመዝጊቦም፡፡

እቲ ኽብሪ ቅድሚ 10 ዓመት ብሽም ኽልተ ደቂ ጥልያን (Stiv and Roni Bello) ኣባላት ሰርከስ Cirque du Soleil ተመዝጊቡ ንዝነበረ 38 foot juggling flips እዮም ኣመሓይሾምዎ፡፡

ኢትዮጵያውያን ኣማኑኤልን ኣሙኤልን ሰነ 21 ኣብ ቱርኪ ስታምቡል Guinness World Records ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ነቲ ውፅኢት ከምዘመዝገብዎ ሓላፊ ኢትዮ- ሰርከስ ክብሮም በርሀ ን VOA ገሊፁ’ሎ፡፡

ኢትዮ- ሰርከስ ዓለምለኻዊ ደረጅኡ ዘማለአ ጥበብ ሰርከስ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምርኢቶም ንህዝቢ ዓለም ዘቕርቡ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ዝሓቖፈ ትካል ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG