ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም-ለኸ ውድድራት ኣትሌትክስ ሞስኮ ተዛዚሙ


IAAF
IAAF
ካብ ነሓሰ 10 ክሳብ 18 ኣብ ሩስያ ስታድዩም ሉዝኒኪ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ያፍ - ኣህጉራዊ ውድድር ኣትለቲክስ 2013 - ሩስያ ብጸብለልታ ወርቂ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ውድድራ ፈጺማ’ላ። ኣብ ሰደቓ ዕውታት - ሩስያ ብ 7 ወርቂ ቀዳመይቲ ኮይና ክትስራዕ እንከላ፡ ኣመሪካ ብ 6 ወርቂ - 14 ነሓስ - 5 ብሩርን ካልአይቲ ከምኡ’ውን ጃማይካ ብተመሳሳሊ 6 ወርቂ - 2 ነሓስ 1 ብሩር ሳልሰይቲ ኮይነን ተሰሪዐን ኣለዋ። ኬንያ ራብዐይቲ፡ ጀርመን ሓሙሸይቲ ከምኡውን ኢትዮጵያ ሻድሸይቲ ኮይነን ነቲ ውድድረን ምፍጻመን ብተወሳኺ ተሓቢሩሎ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና - ጃማይካዊ ሑሰን ቦልት እቲ ልዕሊ ኩሉ ዕውት ኣትለት ተባሂሉ ኣብቲ ውድድር ተሰይሙ’ሎ። ቦልት፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ ውድድራት ኣብ ናይ 100ን 200ን ሜትሮ ውድድራት ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ሪለይ ወርቂ ብምዕታር ሃት- ትሪክ ሰሪሑ’ሎ። ሼሪ ኣን ፍሬዘር ፕራይስ ዝተባህለት ካልእ ጃማይካዊት’ውን ተመሳሳሊ ሃት-ትሪክ ክትሰርሕ ምኽኣላ ካብ ሩስያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣረዲኡ’ሎ።
ፕሪመይር ሊግ

ካብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪመር ሊግ - ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ- ሰንበት ሓያሎ ዓበይቲ ክለባት እንግሊዝ ጸወታ ኣካይደን ነይረን። እቲ ዛጊት ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘሎ 3 ብ 1 ስዕረት ኣረሰናል ብ ኣስቶን ቪላ’ዩ። ኣሰልጣኒ ኣርሰን ቨንገር ኣብ ገዛእ ሜዳ ክለቡን ኣብ ቀዳማይ እግሪ’ዚ ሓድሽ ዝተሰርዐ ጸወታ ብኣስቶን ቪላ ምርትዑ ብደገፍቲ ኣርሰናል ከይተረፈ ተሸዲዱ ካብቲ ሜዳ ኤምረትስ ክወጽእ ተራእዩ። ቨንገር ድሕሪ’ቲ ስዕረቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ - ክስዓር ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት ተራ ዘይብቕዓት ዳኛ’ዩ ኢሉ።

ኣብ ካልእ ዜናታት ግጥማት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ - ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ስዋንሲ 4 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታ። ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ስቶክ 1 ብ ባዶ ከምኡ’ውን ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ሃል 2 ብ ባዶ ዝኾነ ውጽኢት ተዓዊተን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ - ኣብ ግጥማት ካፍ - ኣብ ምድብ A ካብ ዝተሰርዓ ኢትዮጵያዊት ክለብ ቅዱስ ግዮርጊስን ቱኒዝያዊት ክለብ CS Sfaxien ተራኺበን ነይረን። ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዘካየድኦ ግጥም - ቅዱስ ጊዮርጊስ 3 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ተሳዒራ። ኣብ ምድብ A ካብ ዝተሰርዓ ክለብ CS Sfaxien ብ9 ነጥቢ ኣብ መሪሕነት ትርከብ። ጊዮርጊስ ድማ ብ ሰለስተ ነጥቢ ድሕሪ ካልእ ቱኒዝያዊት ክለብ ኢቶለ ሳሕል ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ’ላ ይብል እዝራ ፍስሃዬ ዘዳለዎ ሰሙናዊ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG