ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ረብሓ ግብፂ ንምርግጋፅ ኩሎም ኣማራፂታት ኣብ ቦተኦም ኣለው” ግብፂ


ETHIOPIA DAM
ETHIOPIA DAM
ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ፣ ሃገሮም ንምንካይ መሰል መጠን ማይ ናይል ግብፂ ”ሕራይ” ኢላ ከምዘይትቅበል ይገልፁ።ኢትዮዽያ ግና፣እቶም ፕረዚደንት ከምሕሉፋት መራሕቲ ግብፂ፣ናብ ድራማ ምፍርራሕ ምምላሶም ዘጉሂ‘ዩ ትብል።

ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ኣማእኪሎም ንብርክት ዝበሉ ሰማዕቶም መደረ ዘስምዑ ናይ‘ታ ሃገር ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ፣ንረብሓ ማይ ግብፂ ዝፃባእ ዝበልዎ ወገን ከምዘይቅበሉ ጠቂሶም።

ኣብ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ዳይረክተር ሚድያን ርክባትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግና፣ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ፣ቅድሚኦም ዝነበሩ መራሕቲ‘ታ ሃገር ዝጥቀሙሉ ንዝነበረ ወትሃደራዊ ምፍርራሕ ዝደግም ድራማ ምስረሖም ዘጉሂ‘ዩ ኢሎም።እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ግድብ ኣባይ ምስ ግብፂ ንምልዛብ፣ሎሚ‘ውን ዕድል‘ሎ ይብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:41 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG