ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፀጥታ፣ማዕቀብ ኣፅዋር ሶማልያ ንክፎክስ ወሲኑ


UNSC
UNSC
ንዘመናት ኣብ ዝባን ሶማልያ ተፃዒኑ ዝነበረ ማዕቀብ ኣፅዋር፣ንሓደ ዓመት ንክፎክስ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ወሲኑ።

እቲ ትማሊ ብሙሉእ ድምፂ ዝሓለፈ ውሳነ፣ሶማልያ ሓይልታታ ኣንፃር እስላማዊ ምልሻታት ንዘካይድዎ ግብግብ ዝሕግዞም ፈኮስቲ ኣፅዋር ንክትሽምት ዘኽእል‘ዩ።

እንተኾነ ውሳነ ቤት ምኽሪ፣ሶማልያ ሎሚ‘ውን ካብ መርየት ናብ ሰማይ ዝውንጨፍ ሚሳይል፣ከቢድ ብረትን ናይ ፀልማት ኣፅዋርን ንከይዕድግ ይኽልክል።

ብዘይካ‘ዚ፣እቲ ውሳነ ንዕድመ ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ክሳብ ንዓመታ ለካቲት ኣናዊሕዎ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG