ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ብስራት ኣማረ ናብ ዓዶም ንከይኣትው ካብ ቦሌ መዕርፎ ነፍርቲ ተመለስ ተባሂሎም


Bole Airport
Bole Airport
ካብ 1968 ክሳብ 1983 ዓ/ም ን17 ዓመታት ተጋዳላይ ህውሓት ዝነበሩ ኣቶ ብስራት ኣማረ ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ንስራሕ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ድሕሪ ክልተ ስዓታት ናብ ኣሜሪካ ከምዝተባረሩ ኣፍሊጦም።

ብዜግነት ኣምሪካዊ እንተኾኑ’ውን ሕጋዊ ፓስፖርትን ንትውልደ ኢትዮጵያዊያ ዝውሃብ ቢጫ መለለዪ ካርድ ከምዝሓዙን፣ኣብቲ መዕረፎ ነፈርቲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መእተዊ ቪዛ ከምዝተዋሃቦምን ብዘይንጹር ምኽንያት ናብ ኣሜሪካ ተመለስ ከምዝተባሃሉን ገሊጾም።

ንኽባረሩ ዝገለጸትሎም ሰራሕተኛ ኢምግሬሽን ናብ ኢትዮጵያ ንኸይትኣትዉ ካብ ብዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ናይ ቃል ትእዛዝ ስለዝተቀበለት ክምለሱ’ዮም ከምዝበለቶምን ወሲኾም ሓቢሮም። ንምንታይ ክምለሱ ከምዝተገብረ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ከምዘይፈልጡ’ውን ገሊፆም።
ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:44 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG