ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ንምምራፅ እናተሸባሸበት’ያ’ - መጋቤ ብሉይ


ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያሪክ ኣቡነ ጳውሎስ ካብዝዓርፉ ከባቢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እንተኾኖም እውን እታ ቤት ክርስቲያን ዛጊድ ፓትሪያርካ ኣይመረፀትን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን 6ይ ፓትሪያሪክ ንምምራፅ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ ይብሉ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትሪያሪክ ብደረጃ መምርሒ ኣባል ጠቕላሊ ቤተ ክህነት ጉባኤ ሊቃውንቲ መጋቤ ብሉ እዝራ ለገሰ ገብሩ ይገልፁ።

ዛጊድ ፓትሪያሪክ ዘይምሻሞም እውን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ፓትሪያሪክ ኣቡነ መርቆሪዮስ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ስልጣኖም ይመለሱ ዝብሉ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ስለዘለው እዩ ኢሎም።

ኣቡነ ሜርቆሪዮስ እናሃለው ኣቡነ ጳውሎስ ዝተሸሙሉ ኣገባብ ስርዓተ ቀኖና ብምፍራስ እዩ ዝብል ‘’ምድንጋር’’ እዩ፤ኣቡነ መርቆስሪዮስ ፓትሪያርክነቶም ገዲፎ ባ ኣሜሪካ ምስኣተው ድሕሪ ሓደ ዓመት ከምዝተሸሙን ፓትሪያሪክ እናሃለወ ካሊእ ፓትሪያርክ ምሻም ሕዚ ዝተጀመረ ከምዘይኮነ መጋቤ ብሉይ ሓቢሮም።
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:39 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG