ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2ይ ክፍሊ ቃለ-መጠይቅ ምስ አቦ መንበር ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ


ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተላዚቡ ፀገማት ንምፍታሕ ኩሉ ግዜ ድልው'ዩ ክብሉ አቶ መንግስትኣብ አስመሮም አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊፆም።

ናይዚ እዋን'ዚ አቦ መንበር ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ አቶ መንግስትኣብ አስመሮም ውድቦም ኣብ ጀርመንን ጎንደር ኢትዮዽያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዋዕልኡ ከም ዘካየደ ገሊፆም።

አቶ መንግስትአብ አስመሮም ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ኣብ ውድቦም ዘለዉ ውድባት ናይ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ድሕረ ባይታ ዘለዎምን አፈላላዮም ፈቲሖም ብሓባር ንምስራሕ ዝኸአሉ ምኻኖም ብምግላፅ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራውን ተላዚብካ ፀገማት ንምፍታሕ ኩሉ ጊዜ ድልዋት ምኻኖም ገሊኢፆም። እቲ ሽግር መንግስቲ ኤርትራ ንተቃውሞ ውድባት አፍልጦ ሂቡ ንምልዛብ ፍቃደኛ ዘይምኻኑ'ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ክፍሊ'ቲ ቃለ-መጠይቅ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ቀሪቡ ኔሩ። ሎሚ ኸአ 2ይ ክፍሊ ቀሩቡ'ሎ። ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:29 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG