ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጫማ ፀሪገን ዝናበራ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ማናቱ ኣሓት


Tirha-and-Lemlem
Tirha-and-Lemlem
ብግርማይ ገብሩ መቐለ
ኣብ ከተማ መቐለ ብናይ ቀደም ኣፀዋውዓ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ መሸጢ ቡን ስታርባክስ ብርኩ ዝዓፀፈ ፀሓይን ደሮናን ክኢለን ራሃፅ ተጠሚቐን ዝሰርሓ ክልተ ደቂ ሄዋን ጫማኡ ይፀርጋሉ፡፡
ትርሓስ ገብረዮሃንስን ለምለም ገብዮሃንስን ይባሃላ፡፡ ኣብ ከረን ኤርትራ ዝተወለዳ ኢትዮጵያውያን እየን፡፡ ብ1992 ዓ.ም ናብ ሃገረን ተመሊሰን ጽጉማት ወለደን ክሕግዛ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓማውቲ ናብ ስራሕቲ ምጽራግን ምሕጻብን ጫማ ወፊረን፡፡

ትርሓስ ኣብ ዩኒቨርሲተየ መቐለ 2ይ ዓመት ተምሃሪት ሕክምና እንስሳ እንትትኮን ለምለም ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚዛን ቴፒ ተምሃሪት ሳልሳይ ዓመት ሲቪል ምህንድስና እያ፡፡
ወላዲአን ዋላ ዓይኖም እንተሓመሙ ነዃል ናብራ ስድረኦም ክዓብሱ ኣብ ከተማ እናዘወሩ ቡቁልቲ ይሸጡ፡፡ ወላዲተን ጥዓና ኣይጸገባን፤ ኣብ ስራሕ ገዛ ተንከርከር ኣብ ምባል ይርከባ፡፡
ትርሓስን ለምለምን ንሓደ ጫማ ከከም ዓይነቱን ዝልከዮ ሕብርን ካብ 3 ክሳብ 5 ቕርሺ እናተኸፈለን ኣብ ማዓልቲ ብማእኸላይ 50 ቕርሺ ንረክብ ይብላ፡፡
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:41 0:00
መራገፊ


“ሓደ ነገር ክሰርሖ እየ ኢልካ ኣእምሮኻ እንተኣሚንሉ ክትሰርሖ ትኽእል ኢኻ” ትብል ለምለም፤ ብፍላይ ዝሕግዘን ሰብ ኮነ ትካል እንተረኺበን ምስ ሓወን ብሓባር ስራሕቲ ውጽኢት ዕንፀይትን ጣውላን ክጅምራ ኣብ ምቅርራብ ከምዘለዋ እውን ትገልጽ፡፡

“ኣብ ወሰን መንገዲ ጫማ ምጽራግ ማይ ይወቅዕ፣ ፀሓይን ደሮናን ይሕይል ነዚ ተጻዊርካ ምስራሕ ከምዘፀግም ዝገለፀት ትርሓስ “ኮይኑ ግና ከይተፀገምካ ኣብቲ ትደልዮ ደረጃ ክትበፅሕ ኣይትኽእልን፤ ፅባሕ ንጉሆ ሰብ ክንከውን ኢና ዝብል ዕላማ ስለዘለና ብዙሕ ፅዕንቶ ኣይኾነናን” ትብል፡፡

ጫመኦም ዝፀርጋሎም ዓማዊል ኣጆኽን ብምባል ከምዘተባብዕወን ዝገልጻ ባዓል ትርሓስ ካብቲ ዘለወኦ ትሑት ብርኪ ክትስኣ ኣብ ዝገብረኦ ጻዕሪ ዋላ እውን ብልቓሕ ዝሕግዘን ሰብ ይደልያ፡፡
ንባዓል ትርሓስ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክሕግዘን ዝደሊ ብመዳይ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ኣቢሉ ክረኽበን ከምዝኽእል ክንገልጽ ንፈቱ፡፡
XS
SM
MD
LG