ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንሰነድ ሰላም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈሪመን


ኦማር ኣልባሽርን ስልቫ ከይርን
ኦማር ኣልባሽርን ስልቫ ከይርን
ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ነፃ ንምግባርን ናይ ደቡብ ሱዳን ነዳዲ ብሰሜን ኣቢሉ ምውሓዙ ክቕፅልን ስምምዕ ተፈራሪመን።
ፕሬዝዳንት ሱዳን ኦማር ኣል-በሽርን ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ሳላቫ ኪርን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ማዕልታት ውጥረት ዝዓሰሎ ዝርርብ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለው።
ናይ ክልቲአን ዶባት ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ነፃ ምግባር ዝብል ንኽልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ከሰሓሕበን ዝፀንሐ ቀንዲ ነጥቢ እዩ።ሕዚ ክልቲአን ሃገራት ወታደረን ካብ ዶበን 10 ኪሊ ሜትር ከርሕቓ ቃል ኣትየን ኣለዋ።
ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚን ኣብ ሕድ ሕድ ሃገራት ብዛዕባ ዘለው ዜጋታተን’ውን ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ብመሰረት እቲ ውዕል ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኽፍሊት መተሓላለፊ ነዳዲ እውን ተሰማሚዕም ኣለው።ደቡብ ሱዳን ንሰሜን ሱዳን ንናይ ነዳዲ መታሓላለፊ ሻምቡቆ ክትኸፍል እያ።ምምራት ነዳዲ ክቕፅል ማለት እዩ።
ጉዳይ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢ ኣቢየይ ሕዚ’ውን ኣይተፈትሐን።ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ስምምዕ ንዘይምብፃሕ ጠንቂ ሱዳን እያ ይብሉ።ከምዚ ብምባል ‘’መንግስተይን ኣነ ባዕለይን ጉዳይ ኣብየይ ብዝምልከት ብናይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣደራደርቲ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐብልናዮ ኢና።ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሓው በሽርን መንግስቶምን ነቲ ዝቐረብ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ነፂጎምዎ ኣለው።’’
ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣደራዳሪ ታቦ እምቤኪ ክልቲአን ሃገራት ንቶም ዘይተፈትሑ ጉዳያት ክፈትሕኦ እሙንቱኦም ምዃኑ ገሊፆም።
ቐፃሊ ዝርርብ ከድሊ እዩ ኢሎም ኣባል ልኡኽ ሱዳን ኣምባሳደር በድረዲን ኣብደላ እንተኾነ ግን ክልቲአን ሃገራት ንኽራኸባ ግዜ ክወስድ እዩ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG