ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንኪ ዓለም ንኢትዮዽያ 1.15 ቢልዮን ዶላር ኣለቂሑ


World Bank
World Bank
ባንኪ ዓለም፣1 ነጥቢ15 ቢልዮን ዶላር ካብ ወለድ ናፃ ዝኾነ ልቃሕ ንኢትዮዽያ ከምዝፈቀደላ ተገሊፁ።እቲ ገንዘብ ን84 ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ማይ፣ጥዕናን ትምህርትን ንምብፃሕ ከምኡውን ስራሕቲ መንገዲ ንምስላጥ ምኻኑ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ቦርድ ዳይረክተራት ባንኪ ዓለም ብመሰረት ንኢትዮዽያ ዝሓንፀፆ ስትራተጂ፣ብሓፈሽኡ 1 ነጥቢ15 ቢልዮን ዶላር ካብ ወለድ ናፃ ዝኾነ ልቃሕ ትማሊ ፈቂዱ‘ሎ።

እቲ ብልቃሕ ዝተረኸበ ገንዘብ ኣብ ክልተ ዘፈራት ኣብ ጥቅሚ ዝውዕልን፣ ንልዕሊ ሰማንያ ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና፣ትምህርትን ካልኦትን ንምብፃሕ ክውዕል፣እቲ ካልኣይ ክፋሉ ድማ ንስራሕቲ መንገድታትን ፅርግያታትን ክኸውን‘ዩ።

ኣብ‘ዚ ልቃሕ‘ዚ እጃም ዝህልዎም መሻርኽቲ ልምዓት ኢትዮዽያ ዝባሃሉ፣ ሕብረት ኣውሮዻ፣ዓባይ ብሪጣንያዊ ትካል ልምዓት፣ልምዓት ባንኪ ኣፍሪቃ፣ኢጣልያ፣ኣውስትሪያን ካልኦትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG