ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ንፖሊሲ ኢህወዴግ ዝገምገምሉ ቃለ-ምልልስ


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ 1991 ኣ/ፈ ካልኣይ መራሒ ኢትዮጵያ ብምዃን ተመሪፆም ኣለው።47 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቶ ሃይለማሪያም ንስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ካብ ስልጣን ክምሓው ናይ ዝገበረ ደባይ ተዋጋእቲ ኣባል ዘይኮኑ ሓዱሽ ወለዶ መሪሕነት እዮም።
ኣዲስ አበባ ኣብዝርከብ ቤት ፅሕፈቶም ኮይኖም ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ፓርቲ ስርዓት እያ ኢሎም ምዕራባዊያን ንዘቕርቡዎ ነቐፌታ፣መንቀሊኡ ካልእ’ዩ ይብሉ።
ተቓወምቲ ካብ ፓለቲካዊ ከይዲ እታ ሃገር ተገሊልና ንዝብል መረረት’ውን ይነፅግዎ ኣቶ ሃይለማሪያም።
“ስትራተጂና ካብ ናይ ምዕራባዊያን ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈለየ እዩ።ካብዚ ሕሱም ድኽነት እዚ ብህፁፅ ክንወፅእ ኣለና።ነዚ ንምፍፃም ድማ ቀስ ኢልካ ምጉዓዝ ኣይሰርሕን።ሱር በተኽ ለውጢ ክነምፅእ ኣለና” ይብሉ ንሶም።
“ኢትዮጵያ ኣብ ቕኑዕ ኣንፈት ትጉዓዝ ከምዘላ ንፈልጥ ኢና።ዕብየት ብዝለዓለ ደረጃ ይምዝገብ ኣሎ።ነዚ ክንቕፅለሉ ኢና።ልዕሊ ኩሉ ድማ እዚ ንሓፋሽ ብምንቅስቓስ ኢና ነካይዶ ዘለና።ምኽንያቱ ኣብ ስራሕቲ ዴሞክራስን ልምዓትን ህዝቢ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ” ባሃላይ’ዮም ንሶም።
XS
SM
MD
LG