ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮዽያ፣ዓርቢ ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ‘ዩ


ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ፓርላማ ኢትዮዽያ፣ዓርቢ ተኣኪቡ፣ኣቦ-መንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ዝተመርፁ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ቀ/ሚ ንክኾኑ ከምዘድምፅ ተረጋጊፁ።

ወሃቢ-ቃል ምንስትር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ ሽመልስ ከማል ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ፓርላማ ኢትዮዽያ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ መወዳእታ መስከረም ስርሑ ስለዝጅምር፣ህፁፅ ኣኼባ ምፅዋዕ ባህርያዊ‘ዩ ኢሎም።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቶ መለስ ዜናዊ ክልተ መዓልቲ ፀኒሖም ስልጣን ክርከቡ መደብ ነይሩ።እንተኾነ ንሓዘን ጊዜ የድልየና‘ሎ ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ኣናዊሖምዎ።

ኣቶ ሽመልስ ከማል ብወገኖም፣ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ጉዳይ ክማኸረሉ ጊዜ የድልዮ ከምዝነበረ ይጠቅሱ።

”ሕገ-መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ንቀ/ሚ ዝመዝዝ ገዛኢ ፓርቲ‘ዩ ይብል።ስለዚ ኢህወዴግ፣ክማኸረሉ ይግባእ።ፖሊት ቢሮን ማእከላይ ኮሚቴን ኣብ ልዕሊ‘ቲ ጉዳይ ተዘራሪቡሉ‘ዩ” ኢሎም ንሶም።

ቀዳማይ ምንስትር ዝኾኑ ኣቶ ሃይለማርያም፣ንኣባላት ካቢነ መንግስቲ ኣቶ መለስ ዜናዊ ሒዞም ድዮም ክቅፅሉ ወይካኣ ክብውዝዎ‘ዮም፣ዝተፈልጠ ነገር ዛጊድ የለን።

ሹመት ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ስልጣን ናብ‘ቶም ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘይተሳተፉ ሓደሽቲ ወለዶታት ይሰግር ከምዘሎ ዝሓበረ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG