ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተሓርዩ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ መን‘ዮም?


ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ
47 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቶ ሃይለማርያም መራሒ ኢትዮዽያ ኮይኖም‘ለው።

ኣብ ከተማ ኣረካ ዞባ ወላይታ ደቡብ ኢትዮዽያ ዝተወለዱ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ኣቶ ሃይለማርያም፣መባእታዊን ካልኣይን ብርኪ ቤ/ትምህርቲ ኣብ‘ታ ከተማ ፈፂሞም፣ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብምህንድስና ብዝለዓለ ደረጃ ምስተመረቁ፣ኣብ ሃገረ ፊንላንድ ብምህንድስና ብዝላዓለ ነጥቢ ካልኣይ ዲግሪ ተቀቢሎም፣ካብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ዩ-ስ‘ውን ተወሳኺ ካልኣይ ዲግሪ ተመሪቆም‘ዮም።ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣርባምንጭ ተመዲቦም‘ውን ኣገልጊሎም።

ዶ/ር ስለሺ በቀለ፣ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝሰርሑ መማህርቲን መሳርሕትን ኣቶ ሃይለማርያም‘ዮም ክዛረቡ ከለው፣ጠንካራን ዝተዓደሉን መራሒ‘ዮም ምስበሉ ናብ‘ዚ ብርኪ ብምብፃሖም ሕጉስ‘የ ይብሉ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ኣቦ ሰለስተ ንፉዓት ደቂ-ኣነስትዮ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ‘ዮም።ንዓርቢ ህፁፅ ኣኼባ ዝተፀወዐ ቤት ምኽሪ ኢትዮዽያ፣ ንሹመቶም ከፅድቀሎም‘ዩ ዝብል ሓበሬታ ከምዘለዎ‘ውን ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው ገሊፁ።
የዳምፁ
please wait
Embed

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG