ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተሓርዩ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ መን‘ዮም?


 ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ
47 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቶ ሃይለማርያም መራሒ ኢትዮዽያ ኮይኖም‘ለው።

ኣብ ከተማ ኣረካ ዞባ ወላይታ ደቡብ ኢትዮዽያ ዝተወለዱ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ኣቶ ሃይለማርያም፣መባእታዊን ካልኣይን ብርኪ ቤ/ትምህርቲ ኣብ‘ታ ከተማ ፈፂሞም፣ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብምህንድስና ብዝለዓለ ደረጃ ምስተመረቁ፣ኣብ ሃገረ ፊንላንድ ብምህንድስና ብዝላዓለ ነጥቢ ካልኣይ ዲግሪ ተቀቢሎም፣ካብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ዩ-ስ‘ውን ተወሳኺ ካልኣይ ዲግሪ ተመሪቆም‘ዮም።ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣርባምንጭ ተመዲቦም‘ውን ኣገልጊሎም።

ዶ/ር ስለሺ በቀለ፣ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝሰርሑ መማህርቲን መሳርሕትን ኣቶ ሃይለማርያም‘ዮም ክዛረቡ ከለው፣ጠንካራን ዝተዓደሉን መራሒ‘ዮም ምስበሉ ናብ‘ዚ ብርኪ ብምብፃሖም ሕጉስ‘የ ይብሉ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ኣቦ ሰለስተ ንፉዓት ደቂ-ኣነስትዮ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ‘ዮም።ንዓርቢ ህፁፅ ኣኼባ ዝተፀወዐ ቤት ምኽሪ ኢትዮዽያ፣ ንሹመቶም ከፅድቀሎም‘ዩ ዝብል ሓበሬታ ከምዘለዎ‘ውን ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው ገሊፁ።
የዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG