ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዘመናዊ ሕርሻ ጋምቤላ ዝወፈረ ኢትዮጵያዊ ኢንቨስተር


ሰለሞን ሃይለ
ሰለሞን ሃይለ

ኢልያ ኣግሮ ቢዝነስ ሓደ ካብቶም ኣብ ጋምቤላ ኣብ ዘመናዊ ሕርሻ ወፊሮም ዘለዉ 182 ትካላት እዩ። ወናኒ እቲ ትካል ኣይተ ሰለሞን ሃይሉ ኣብ ጋምቤላ ዘተኣማምን ሰላማዊ ኩነታትን ዘስርሕ መንግስታዊ ፖሊሲ ስለዘሎ ኢና ንሰርሕ ዘለና ይብሉ።

እዚ ትካል እዚ ዛጊድ ኦቾሎኒ(ፉል)፣ ሶያቢን(ኣኩሪ ዓተር)፣ ሩዝን ሰሊጥን የፍሪ ከምዘሎ ገሊፆም ብዘይካ ሰሊጥ ካልእ ፅቡቕ ምህርቲ ከምዝተረኸቦ ኣረዲኦም። ሰሊጥ ግና ምችን ሕሞድያን ከምዝወቐዖ እዚ ድማ ብባህሪ እቲ ዘርኢ ኣብ መጀመርታ ማሕረስ ከጓንፍ ዝኽእል ፀገም ምዃኑ ልምዲ ካብ ዘለዎም ሰባት ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ይገልፁ።

ኣብ ጋምቤላ መሬት ካብ ሓረስቶት ተመንጢሉ ንሰብ ሃፍቲ ይወሃብ ኣሎ ዝብል ኣበሃህላ መሰረት የብሉን ይብሉ ኣይተ ሰለሞን። ታሓሪሱ ዘይፈልጥ መሬት ስለዝተወሃበና ድማ ክራይ መሬት እምበር ካሕሳ ኣይከፈልናን ይብሉ።

ዝለዓለ ናይ ስራሕ ባህሊ ዘይነብሮ ህዝቢ እቲ ኽባቢ እሞ ድማ ብልምዓት ድሒሩ ዝፀነሐ ክልል ምስ ምዃኑ ምስፍሕፋሕ ዘመናዊ ሕርሻ ኣብ ጋምቤላ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም ኣይተ ሰለሞን።

XS
SM
MD
LG